2011-03-31 14:48:19

ናይ ር.ሊ.ጳ. ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ (ዕለት 30 መጋቢት 2011 ዓ.ም.)


ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ረቡዕ ዕለት 30 መጋቢት 2011 ዓ.ም. ትኩርን ሕጉስን ምስክርነት ግብረ ሰናይ ብቓልን ሕይወትን ዘቕረበ ቅዱስ ናይ ቤተ ክርስትያን ሊቅ ኣልፎንሶ ማሪያ ዘሊጉዎሪ ዘማእከለ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዝቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር RealAudioMP3 መግለጺ የመልክት።

ቅዱስ ኣልፎንሶ ማሪያ ዘሊጉዎሪ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ናፖሊ ኣብ 18 ክፍለ ዘመን ዝነበረን ናይቲ ረደንቶሪስቲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማኅበር ካህናት ዝመሥረተን ናይ ቤተ ክርስትያን ትምህርቲ ሃይማኖት ዘመልክቶ ግብረ ገብ ኣብ ሕይወት ወዲ ሰብ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘስተምሃረን፣ ኣብ ሕይወት እወታዊ ርእየት ክህልወና ዘነቓቕሕ ቅዱስ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና እንከረድኡ፣ ዝጽልይ ይድሕን ዝብል ናይ ቅዱስ ኣልፎንሶ ማሪያ ዘሊጉዎሪ መንፈሳዊ ጭርሖ ዘኪሮም፣ ናይ ዝሥዋዕ ፍቕርን ናይ ትምህርቲ ሃይማኖት ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ዝብል መለለዩ ሂቦም፣ እዚ ቅዱስ ኣብ ናፖሊ ካብቶም ዓበይትን ፍሉጣትን ናይ ሕጊ ምሁራትን ዝለዓለን ካብ ሃብታም ሥድራ ዝተወለደ እውን እንተነበረ ካህን ክኸውንን ኣብ መንጎ ድኻታት ዝሥዋዕ ፍቕሪ ክምስክር ካብ እግዚኣብሔር ዝቐረበሉ ጸዋዕታ ተቐቢሉ፣ ኣብ 1700 ዓመታት ነቶም ሕዙናትን ዝተናዕቁን ወንጌል ዘበስር ረደንቶሪስት ብዝብል ሥም ዝልለ ናይ ካህናት ማኅበር መሥሪቱ ፣ብፍቓድ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ድማ እቲ ማኅበር ካህናት ቆይሙ እምነትን ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ማኅበራውን ውልቃዊ ሕይወት ብግብረ ገብ ዝተሃንጸ ሕይወት እውን ክንበር ብምትብባዕ፣ ነዚ መንፈሳዊ ጉዕዞ ዘሰንዩ መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ብምሕናጽ ክርስትያናዊ ሕይወት ዘተባብዔን ኣብ ግብረ ገብ ዝተሓንጸ እርኑብ ሕይወት ንምንቕቓሕ ዝፈጸሞ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ዘመንና ንእንፍጽሞ ሓዲስ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብነት ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ገሊጾም፣ ብፍላይ ድማ ንድኻታትን ሕዙናትን ብምቕራብ በዚ መሠረት ቅኑዕን ሕውነታዊውን ምትሕስሳብን ምትሕብባርን መንፈስ ዝዓሰሎ ሰላማዊ ማኅበራዊ ናብራ ክረጋገጽ ዓሚቱ ዝካየደ መደብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘነጽር ኢዩ ኢሎም።

ጓሶት ነፍሳትን ኣበ ነፍሳትን ንናይ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ግብረ ገብ ጉዳይ ዝምልከት ትምህርተ ሃይማኖትን ሥልጣናዊ ትምህርትን እሙናት ኮይኖም በቲ ዝሥዋዕ ፍቕሪ ዝምራሕን ነዚ ዓይነት ፍቕሪ ንምባር ዝተግህን ዝርድኡን ምእዙዛትን ክኾኑንን በዚ መሠረት ድማ ምእመናን ብመንፈሳዊ መራሕቶም ዝስነዩን ዝድገፉን ዝጸናንዑን ኣብ ጉዕዞ እምነቶምን ክርስትያናዊ ሕይወቶምን ከምዝድገፉ ክስምዖምን ዝተኣማመኑ ክኾኑ ቅዱስ ኣልፎንሶ ከምዘተሓሳስበን ከምዘስተምሃረን እውን ቅዱስነቶም ገሊጾም።

ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ናይ ግብረ ገብ ኅሊና ዝደቀሰን ዝጥፍኤን ከምዝመስል እውን ቅዱስ ኣቦና ጠቒሶም እዚ ድማ ትርጉም ምሥጢረ ንስሓ ዘዕበረን ኣብ ምሥጢረ ንስሓ ንምስታፍ ዘየተባብዕ ምዃኑን ገሊጾም፣ ስለዚህ ትምህርትን ኣብነትን ቅዱስ ኣልፎንሶ እዋናዊ ኢዩ ቢሎም፣ ተባዕን ቀናእን ጓሳን ወንጌል ብቓልን ብሕይወትን እናነበረ ቅዱሳት ምሥጢራት ብእምነትን ሥርዓትን እናነበረን እናሰርዐን እዚ ድማ ካብቲ ምስ እግዚኣብሔር ካብ ዘለዎ ርክብ ዝነቐለ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣረዲኦም፣ እቲ ሓልዮትን ፍቕርን እግዚኣብሔር ዝዓደለና ጸጋታት ናይ ኵሉን ንዅሉን ምዃኑን እናስተምሃረ ኣብ መንጎ ፍጥረት ሰብ ምቅብባልን ምፍቓርን ክህሉ እግዚኣብሔርን ብጻይካን ኣፍቅር ዝብል ጸዋዕታ መታን ክንነበር ብጀካ እቲ ንሥነ ምርምር ዝሃቦ ትኵረት ንናይ ልቢ ድምጺ ጽን ክበሃል ዘስተምሃረ ኢዩ ቢሎም፣ ነቶም ኣብቲ ኣብ ኣስተምህሮ ዝተሳተፉ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝመጹ ምእመናን ሰላምታኦም ኣቕሪቦምን ብፍላይ ድማ ንናይ ክየቭ ሓድሽ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ክቪያቶስላቭ ሼቭኩክ ሰላምታኦም ብምቕራብ፣ ንኽርስቶስን ወንጌሉን ተኸተሉ ቢሎም ቡራኬ ሂቦም ረቡዕዊ ኣሰምህሮ ከምዝፈጸሙ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.