Home Archivio
2011-03-30 10:03:24
ናይ ኪርኩክ ሊቅ ጳጳስ መግለጺ
ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ተኸሲቱ ዘሎ ሕዝባዊ ናዕቢ እወታዊ ውጽኢት ክህልዎ ዘይኮነስ ንናይ ኣኽረርቲ ኃይልታት ምስፋሕ ዘተባብዕ ኢዩ ዝመስል እንክብሉ ኣብ ዒራቕ ናይ ኪርኩክ ናይ ከለዳዊ ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ሳኮ ኣብ ጀርመን ካብ ዕለት 18 መጋቢት ክሳብ ዕለት 20 መጋቢት 2011 ዓ.ም. ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስትያን ዝሕግዝ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበር ኣብ ዝዳለዎ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣብ ዝተሳተፍሉ እዋን ከምዝገለጺ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ብፁዕ ኣቡነ ሳኮ ኣብ ዒራቕ ዘሎ ኅልው ኩነታት ድሕሪ 8 ዓመት ብዙሕ ለውጢ ከምዘየርኣየን፣ ነጻነትን ዴሞክራስን ንምርግጋጽ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ብናይ ሕንጸት መዳይ ዝተሰነየ ክኸውን ኣለዎ እምበር ናይ ፖለቲካ ድላይ ጥራሕ ኮይኑ ክተርፍ የብሉን፣ መንግሥቲ ዘይ ሃይማኖታዊ ክኸውን ምትብባዕ የድሊ፣ እንተዘይኮኑ እቲ ኣብ ዒራቕ ዝርኤ ዘሎ ሕድ ሕዳዊ ውጥረትን ግጭትን ፍልልይን ክቕጽል ከምዝኾነን ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ውሁዳን ሃይማኖት ምእመንን ክፍሊ ኅብረተሰብ ካብ ሃገሩ ክስደድ ክድርኾ ምዃኑን እዚ እውን ድሮ ይርኤ ኣሎ ስለዚህ ካብ ዘተን ምክብባርን ምቅርራብን ሕንጸት ዝምንጭ ሰላማዊ ናይ ሃባር ናብራ ክረጋገጽ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኤሺያን ኔውስ ሓቢሩ።
All the contents on this site are copyrighted ©.