2011-03-26 14:48:09

ፍኖተ መስቀል 2011 ዓ.ም.


ከምቲ ልሙድ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዕለት ዓርቢ ስቕለት ሮማ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ኮሎሰዮ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝምራሕ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ዝኽተሎ ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን መጽሓፈ ፍኖተ መስቀል ብኣባል ማኅበር ደናግል ቅዱስ ኣጎስጦኖስን ናይ መላእ ማኅበራት ደናግል ኣጎስጢኖሳውያን ፈደራላዊ ማኅበር ሊቀ መንበር እናቴ ማሪያ ሪታ ፒቾነ RealAudioMP3 ዝተዳለወ ከምዝኾና ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ዓርቢ ስቕለት ናይ ፍኖተ መስቀል ጸሎት መምርሒ መጽሓፍ በቢ ምዕራፉ ኣብ ዘሎ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ዝርከብ ቅዱሳት ምሥልታት ብናይ ኣጎስጢኖሳውያን ደናግል ማኅበር ኣባል ናይ ሥነ ጥበብ ሊቅ እናቴ ኤለና ማንጋነሊ ዝተሳእለ ከምዝኾነን፣ ብሓፈሻኡ ናይ ለብዘበን ናይ ዓርቢ ስቕለት ፍኖተ መስቀል ጸሎትን ኣስተንትኖን ብናይ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ መንፈሳውነት ዝምርሕ ከምዝኾነን እንክሕበር፣ ለብዘበን በዓለ ፋሲካ ዝብዕለሉ ዕለት 24 ሚያዝያ 2011 ዓ.ም. ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ዕለት 24 ለካቲት 387 ዓ.ም. ብቕዱስ ኣብምሮዚዩስ ምሥጢረ ጥምቀት ዝተቐበለላን ኣብቲ እዋን በዓለ ፋሲካ ዝበዓለላ ዕለት ዘዘኻኽር እውን ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም የመልክት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ንፈለማ ጊዜ ኣብ 1993 ዓ.ም. ናይ ዓርቢ ስቐለት ፍኖተ መስቀል ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን መጽሓፍ እኖ ቤተ ክርስትያን ብዝብል ስም ዝጽውዓ ናይ ደናግል ማኅበር ቅዱስ በነዲክቶስ ጥቓ ኖቫራ ደሴት ቅዱስ ጁሊዮ ኣብ ዝርከብ ናይ ቅዱስ ቤነዲክቶስ ገዳም እመ እምኔት እናቴ ኣና ማሪያ ካኖፒ ከምዝኾናን፣ ቀጺሉ ድማ ኣብ 1995 ዓ.ም. ናይ ዓርቢ ስቕለት ፍኖተ መስቀል ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን መጽሓፍ ኣብ ስዊዘርላንድ ናይ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ፕሮተስታት ዘ ግራንድሻምፕ ማኅበር ደናግል ኣባል ሓፍቲ ሚንከ ደ ቭሬስ ከምዝነኾናን ቀጹሉ ኣብ 2002 ዝተፈጸመ ናይ ዓርቢ ስቕለት ፍኖተ መስቀል ኣስተንትኖን ጸሎትን ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም ብዝተመደባ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኣ 14 ደቀ ንስትዮ ጋዜጠይናታት ዝተደርሰ ከምዘነበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም መግለጺ የዘኻኽር።







All the contents on this site are copyrighted ©.