2011-03-26 14:50:35

ኢየሱስ ናዝራዊ ካልኣይ ክፍሊ ተኻታታሊት መጽሓፍ ቅዱስ ኣቦና ዘማእከለ ዓውደ መጽናዕቲ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይታ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ 2007 ዓ.ም. ዝደረስዋ ብዛዕባ ታሪኽ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን መልእኽቱን መንነቱን እተነጽር “ኢየሱስ ናዝራዊ” RealAudioMP3 ዘርእስታ ቀዳመይቲ መጽሓፎም ተኸታታሊ ካልአይ ክፍሊ መጽሓፍ ብጣልያንኛ ቋንቋ ብቤት ማኅተም ቫቲካን ተሓቲማ ካብ ዕለት 10 መጋቢት 2011 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካዲናል ማርክ ኦውለትን ናይ ሥነ ቋንቋን ሥነ ጽሑፍን ሊቅ ጋዜጠይናን ደራስን ፕሮፈሶር ክላውዲዮ ማግሪስን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም ሓላፊ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርድን ካልኦት ዓበይቲ ምሁራትን ብዙሓት ጋዜጠይናታንት ኣብ ዝተረኽብሉ ብዝሃብዎ መግለጺ ንንባብ ከምዝበቕዔት ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜና ክፍሊ ማኅተም መግለጺ ብምዝኽካር፣ እነሆ ድማ ኣብቲ ካልኣይ ኢየሱስ ናዝራዊ ዘርእስታ ተከታታሊት መጽሓፍ ዝተመርኰዘ ኣብ ቅዱስ ዮሓንስ ዘ ላተራኖ ባሲሊካ ቅድሚ ትማሊ ትንሣሴ ኣብ ናይ እምነትን ናይ ታሪኽን መንነት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘማእከለ ናይ ዘተን ኣስተንትኖን ዓውደ መጽናዕቲ ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ናይ ራቲስቦና ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ገራርድ ሙለር ኣብቲ ናይ ዘተን ኣስተንትኖን ዓወደ መጽናዕቲ ተረኺቦም ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ፣ ነቶም ብናይ ዓለም ታሪኽን ኣብ ጊዜ ብዝኸቱ ማዕበላት ዝዕብለሉ ደቂ ሰባት ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መንነት ኣነጺርካ ንምቕራብ ካብ ዝተግብረ ዓሚዩቕ ናይ ኣስተንትኖን መጽናዕትን ጻዕሪ ዝተወልደ ዓቢይ መጽሓፍ ኢዩ ቢሎም፣ ኣብ ናይ ወዲ ሰብ ኅላዌ ፍቕሪ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ዝዓበየን ኣዚዩ ኣገዳስን ከምዝኾነን ቅዱስ ኣቦና በቲ ኢየሱስ ናዝራዊ እተሰምየ መጽሓፎም ብምርዳእ፣ ናይ ስቕለትን ትንሣኤን ኮታ ብጠቕላላ ናይ ወንጌል ታሪኻዊ ጎድኑ ንናይ እምነት ክርስትና መሠረት ምዃኑ ከምዘረድኡናን እንከመልክቱ፣ ናይ ሮማ ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣጎስቲኖ ቫሊኒ ብወገኖም ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቦና ዓቢይ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ጥራሕ ምዃኖም ዘይኮነስ ጓሳ እውን ምዃኖም ንርዳእ፣ በዚ ድማ ኣብ ጎዕዞ እምነትና ዝድግፍ መሠረታዊ ሓሳብ ዝተነብረሉ መጽሓፍ ኢዩ ቢሎም፣ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓቀይና ታሪኽ ንምርዳእ ቅዱስ ኣቦና ዝተኸተልዎ ሜላ፣ እምነት ዘበራትዕ ናይ ሓቀይና እምነት መሠረት ምዃኑ ዘረድእ እምበር ንእምነትና ኣብ ሕቶ ዘእትው ኣይኮነን ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ ላተራነንሰ ጳጳሳዊ መንበር ጥበብ ናይ ፍልስፍና መምህር ናይ ፍልስፍና ሊቅ ማርቸሎ ፐራ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ልዕሊ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተፈጸመ ከይዲ ቤት ፍርድን ዝተውሃበ ብይን እነብረሉ ዘሎና ዓለም ሸለል ክብሎ ዘይከኣሎ ብዝተፈላለዩ ናይ ሥነ ምርምርን ናይ ትምህርቲ ጨንፈራት መሠረት መልሲ ክወሃበሉ ንዝፈተን መሠረታዊ ትርጉምን እንታይነትን ሓቂ ዘነጽርን ሓቂ ማለት እንታይ ማለት ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ሓቂ መን መንዃኑ ብሓፈሻኡ መንነት ሓቂ ዘነጸሩላ መጽሓፍ ኢያ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.