2011-03-26 14:46:58

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ምሕረት ኣምላኽ ንዅሉ ፍጥረት ይሕድስ


ብዛዕባ ቅዱሳት ምሥጢራትን ኣሠራርዓን ኣነባብራኦምን ዝምልከት ሥርዓትን ደንብን ቅዱሳት ብፍላይ ድማ ኣብ ምሥጢረ ንሥሓ ዘተኮረ ንሓደስቲ ካህናት ዝዓደመ ሓዋርያዊ ቤተ ኑዛዜ ዘዳለዎ ናይ ተሓድሶ ሕንጸት ዓውደ መጽናዕቲ ከምእተፈጸመ ክንገር እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ናይቲ መደብ ሕንጸት ተሓድሶ ዓወደ መጽናዕቲ ተሳተፍቲ ሓደስቲ RealAudioMP3 ካህናት ተቐቢሎም መሪሕ ቃል ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና እቲ ናይ ተሓድሶ ሕንጸት ኣዚዩ ዘተኮረሉ ምሥጢረ ንስሓ ኣማእኪሎም፣ እዚ ቅዱስ ምሥጢር’ዚ ናይ ምልዋጥ ተኣምር ዝረኣየሉ ስለ ዝኾነ፣ ካህናት ነዚ ቅዱስ ምሥጢር ብትኽክል ክነብርዎን ኣብ ክህነታዊ ጸዋዕታኦም ግቡእ ቦታ ሂቦም፣ በዚ ምሥጢር’ዚ ሕዝበ እግዚኣብሔር ከገልግሉ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም፣ ካህን ዓለም ንመሠረታውያን ናይ ኅላዌን ኅልውናን ሕቶታት ብቑዕ መልሲ ክህበሉ ስለ ዘይከኣለ ነዚ ንምኽሓስ ዝተጸውዔ ኣይኮነን። “ብኃጢኣትኩም ኣኳ ከም ደም እንተ ቘሕኩም፣ ከፃዕድወኩም እየ። ከም ዝዋውዕ እኳ እንተ ቘሕኩም ከም ፃዕዳ ጸምሪ ኽትኮኑ ኢዅም” (ኢሳ. 1፣ 18) ቢሉ ብዝምሕርን ይቕረ ዝብልን ብዝልውጥን መለኮታዊ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ዝተጸውዐን ዝተሓቝፈን ኢዩ። ካህን ብምሥጢረ ንስሓ ናይ ካህን ሰብኣውነትን እምነትን ዝፍትን ጸልማት ተመኩሮን ናይ ወዲ ሰብ ልቢ ደልሃመት ቀሪቡ ዝርዳእን ዝፈልጥን እውን እንተኾነ፣ ነቲ ናይ ወዲ ሰብን ናይ ታሪኽን ሕሰምን ኣበሳን ናይ መጨረሻ ቃል እቲ ንኹሉ ዝሕድስ ቃሉ እሙንን ሓቅን ዝኾነ እግዚኣብሔርን ምሕረት ምዃኑ ካብ እምነት ዝምንጭ ብዘለዎ ርግጽነት ዘቐርብ ኢዩ።

ካህን ብሰብኣዊ ኃይሉ ጥራሕ ቀሪቡ ናይ ኣሕዋት ሓጢኣት ዝሰምዕ ዘይኮነስ፣ ኣብቲ ዘለዓለማውን ሊቀ ካህናት ዝኾነ ክርስቶስ ተምሳሊ ስለ ዝኾነን ብኣኡን ብስሙን ብኣካሉን ነቲ ዝልውጥን ዝኅድስን ምሕረት ዝዕድልን እግዚኣብሔር ኅልው ዝገብር ኢዩ።

ኣብዚ ምእማንን ዘይምእማንን ኩሉ ሓደ ኢዩ፣ ናይ ሕይወት ክቡር ዋጋ ዝበሃል የሎም ዝብል ተዛማዲ ባህሊ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ ዓለምን ኅብረተሰብን ናይ ንስሓ ምሥጢር ከይተረፈ በዚ ጎዳኢ ባህሊ ዝተተንከፈ ኮይኑ ቅልውላው ዘጋጠሞ ኢዩ ዝመስል፣ ካብ ምሥጢረ ኑዛዜ ምርሓቕ ይሰፍሕ ኣሎ። ስለዚህ ካህን ወዲ ሰብ ናይ ኅሊና መርመራ ክግበር ብዘብቕዖ ሥነ ምምሃር ዝተመርሔ ሓዋርያዊ ግብረ ኖሎው ብምሕንጻጽ ከስተምህርን ወዲ ሰብ ብቕንዕና ውልቃዊ ኅላዌኡን ዕለታዊ ሕይወቱን ብሰብኣዊ መምዘንታት ጥራሕ ዘይኮነስ በቲ መለኮታዊ ግልጸት ዝዓደሎ መምዘንታት ገይሩ ብመሠረት ወንጌላዊ ሓቂ ክጥምትን ክምርምርን ከስተንትንን ዝድግፍ ኢዩ። ትእዛዛት እግዚኣብሔርንን ብዛዕባ ብፅዕና ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ መምርሒ ኣብ ምሥጢረ ንስሓ ዝሓንጽ ኢዩ። እዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ብሕትውና ኣቃልቦ ዘስግል ብታሕዋኽ ዝናወጽን ርጉእ ሕይወት ዘይብሉ ሸበድበድ ዝመልኦን ኢዩ፣ ስለዚህ ምሥጢረ ንስሓ ብጥልቅን ብሓቅን እንስመዓሉን እንኮን ፍሉይን ጸጋ ኢዩ።

ክንደይ ምልዋጥን ተሓድሶን ካብ ምሥጢረ ንስሓ ከምዝነቐለ ክንዝንግዕ የብልናን፣ ምሥጢረ ንስሓ ምሕረት ኣምላኽ ምቕባልን ቃል ኣምላኽ ምስማዕን እቲ ካብ ሓጢኣትካ አንጽሓካ ዝብላ ካብ ኣፍ ካህን ዝወጻ ቃላት ናብቲ ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ኣብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገልጸ ቀጻሊ ምላዋጥ ዝሓትት ኃላፍነትን ጻዕርን ድላይን ዝሓትት ፍቕሪ እግዚኣብሔር ምሉእ እምነት ክህልወና ዝመርሓና ናይ ሓቀይና ፍቕርን ተስፋን ቤት ትምህርቲ ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.