2011-03-26 14:49:12

ቀዳማይ ስብከት ዓቢይ ጾም ኣብ ቫቲካን


ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ኣብ ቫቲካን ኣብ ቅነ ዓቢይ ጾም ንበዓለ ፋሲካ መቀራረቢ ዝቐርብ ስብከት መሠረት ብሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ራኒየሮ ካንታላሜሳ ተመሪሑ ትማሊ ንጎሆ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ላዕለዎት ኣካላት ቅድስቲ መንበር ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ኣብ ዝተረኽብሉ ፍቕሪ፦ ብቋንቋ ግሪክ RealAudioMP3 ብሑት (ፆታዊ) ፍቕርን ውሑድ ፍቕርን ዝሥዋዕን ፍቕርን ዝብል ኣገላልጻ ዘለዎ ኮይኑ፣ ብሰለስተ ቃላትን ዝኽፈል ሰለስተ ተግባራት ዝገልጽ ምዃኑ ሓቢሮ፣ ብፍላይ ኣብ ቀዳመይቲ በዓለ ስብከት ዓቢይ ጾም ኣብቲ ብሑት (ፆታዊ) ፍቕርን ውሑድ ወይ ድማ ናይ መኣዲ ፍቕሪ ኣብ ዝብሉ ኣገላልጻ ፍቕሪ ተመሥሪቶም ኣብዚ ኣንነብረሉ ዘሎና ዓለም ነዞም ክልተ ፍቕሪ ገማሚዕካ እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ፈሊኻ ናይ ምንባር ልምዲ እናሰፍሔ ይኸይድ ከምዝሎን እዚ ድማ ዝሕታለ ፍቕሪ ብምትእትታው ናይ ቆራሪ (ዘይምውቕ) ፍቕሪ ባህሊ መሠረት ኮይኑ ብዙሓት ኣብ ተምሳል ፍቕሪ ክነበሩ የገድድ ከምዘሎን እታ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ኢዩ ኣብ እትብል ናይ ቅድስቲ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ዓዋዲት መልእክቲ ኣደገፊም ድሕሪ ምትንታን፣ እዞም ክልተ ዓይነት ኣገላልጻ ፍቕሪ ተነጻጺሎም ከምዝኸዱን ዝገራጨዉን ዘይቃደዉን ኢዮም ዝብልን ከምዘይቃደዉ ጌይርካ ፈላሊኽ ንምንባሮን ዝድርኽ ብፍላይ ድማ ናይ ሥነ ጥበብ ባህሊ ዘተኣታትዎን ዘስፍሖ ዘሎ ባህሊ ምስናፉን ምስጋርን የድሊ፣ ስለምታይ ናይ እዞም ክልተ ዓይነት ፍቕሪ ምንጪ ፍቕሪ እዚ ማለት ድማ እግዚኣብሔር ስለ ዝኾነ ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.