2011-03-26 14:51:38

መሥዋዕትነት ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ ማኅበራዊ ፍትሕን ሰላምን ንምርግጋጽ


ናይ ሳን ሳልቫዶር ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኦስካር ሮመሮ ዕለት 24 መጋቢት 1980 ዓ.ም. መሥዋዕተ ቅዳሴ እናዕረጉ እንከለዉ ማኅበራዊ ፍትሕን ሰላምን ክረጋገጽ ኣብዚ መዳይ ኣብ ጎድኒ ድኻታትን ሕዙናትን RealAudioMP3 ዝተነጸሉን ናይ ዓመጽን ኣድልዎን ኣደዳ ንዝኾኑ ሓልዮትን ርትዕን ፍትሕን ክረጋገጽ ዘቕርብዎ ኣስትመህሮን ስብከትን ናይ ቃልን ሕይወትን ምስክርነት ዕንቅፋት ብዝኾኖም ዕጡቓት ኃይሊ ዝተቐልላ ዕለት ኣብ መላእ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብመንፈሳውን ባህላውን ዓውደ መጽናዕትታት ተሰንዩ ከምእተዘከረ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት እንከመልክት ኣብታ ዝተወለዱላ ሃገር ኤል ሳልቫዶር በሸሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ኤል ሳልቫዶር እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ጌና ቅድስና ዘይኣወጀትሎም እኳ እንተኾነ “ቅዱስ ሮመሮ ዘ ላቲን ኣመሪካ ልቢ ሕዝቢ ኣብቲ ሕዝቢ ላቲን ኣመሪካ ፍትሕን ሰላምን ማዕርነትን ንምርግጋጽ ኣብ ዘካይዶ ጻዕርን ጎስጓስን ኅልው ኢዮም” ዝብል ጭርሖ ኣምሪሖም መንፈሳዊ ናይ እግሪ ጉዕዞ ከምዘካይዱ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ ዝተቐተሉላ ዕለት 24 መጋቢት፣ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም፣ መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ “ሓቂ ናይ ኩሉ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን” ዝነቓቕሓሉ ዕለት ኮይኑ ክብዕል ዝሓለፈ ዓመት ዝሃቦ ውሳኔ እነሆ ነታ ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ ዝዝከሩላ ዕለት ፍልይትን ዓባይን ከምዝገበራ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ኮምቴ ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ ዘተሓላለፎ መግለጺ ጠቂሱ ናይ ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ ደም ተሓተቲ ንምልላይ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ናይ መርማሪ ድረገት ናይ ኤል ሳልቫድሮ ናይ ኃይሊ ምድሪ ላዕለዋይ ኣዛዚ ዝነበሩን ናይቲ ሬፓብሊካዊ ብሔራዊ ቃል ኪዳን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክሳብ 2009 ዓ.ም. ንላዕሊ 20 ዓመት ኣብ መርሕነት እታ ሃገር ናይ ዝነበረ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ መሥራቲ ሮበርቶ ዳኡቡሶን ኢዩም ከምዝበለ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.