2011-03-17 14:15:14

ኮሎምቢያ፣ ናይ ላቲን ኣሜሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ


ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምክሪ ጉባኤ ዋና ጸሓፍቲ ኣኼባ ኣብ ኮሎምቢያ ርእሰ ከተማ ቦጎታ እቲ ኣብ 2007 ዓ.ም. ወርሒ ግንቦት ኣብ ብራዚል ከተማ ኣፓረሲዳ ናይ ላቲን ኣሜሪካን RealAudioMP3 ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ “ደቀ መዝሙርን ልኡኻትን ጎይታን ኢየሱስ ክርስቶስ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሒ ዝተኻየደ ሓምሻይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝሃቦ መምርሒ ኣስፍሆተ ወንጌል፣ ኣብ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ከይዱ ዝግምግምን ኣፈጻጽማኡ እንታይ ከምዝመስል ዝምልከት ኣኼባ ካብ ቅድሚ ትማሊ ጀሚሩ የካይድ ከምዘሎ እንክንገር፣ እዚ ኣኼባ ቃል ኣምላኽ ኣብ ሕይወትን ተልእኾን ቤተ ክርስታይን ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ካብ ዕለት 5 ጥቅምቲ ክሳብ 26 ጥቅምቲ 2008 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ዝተኻየደ መበል 12 ሓፈሻዊ መደበይና ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ዘጽደቖ ናይ ፍጻሜ ሰነድ መሠረት ቅዱስ ኣቦና ቃል እግዚኣብሔር ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘቕረብዎ ምዕዳን ድኅረ ሲኖዶስ ኣብ ላቲን ኣሜሪካን ካሪቢያንን ንመደብ ኣስፍሆተ ወንጌል መምርሒ ምዃኑ ዘነጽር ኣኼባ ከምዝኾነ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.