2011-03-17 14:11:28

ኣፍሪቃ፣ ንሕዝቢ ጃፓን ቅርበትን ደገፍን


ናይ ደቡብ ኣፍሪቃን ቦስትዋናን ስዋዚላንድን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ናይ ጆሃንስ በርግ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ቡቲ ትልሃጋል ንናይ ጃፓን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበርን ናይ ቶኪዮ RealAudioMP3 ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፒተር ታከኦ ኦካዳ በቲ ኣብ ጃፓን ዝተኸስተ ርእደ መሬትን ርእደ መሬት ባሕርን ናይ ሞት ሓደጋ ነዘጋጠሞም ኣግዚኣብሔር ኣብ መንግሥቱ ክቕበሎምን ነቶም ዝተጎድኡን ብዘይ ቤትን ንብረትን ዝተረፉን ክሕብሕብን ንመላእ ሃገረ ጃፓን ክድግፋን ጸልዮም ቤተ ክርስትያን ናይ ደቡባዊ ከባቢ ኣፍሪቃ ንሕዝቢ ጃፓን ቅርበቶም ደገፎምን ከምዘረጋገጹ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ሕዝቢ ጃፓን እቲ ርእደ መሬት ብዘተኣታተዎ ፈተና ተስፋ ቁርጸትን ድኻምን ከይተሳዕረ ኣብ ሓይሊ ኣምላኽ ተኣሚኑን ተስፋኡ ኣብኡ ኣንቢሩን ክስጉምን ናይ ኣፍሪቃ ደቡባዊ ከባቢ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ሓደራ ቢሎም፣ ኣብ ጸሎቶም ኅልዋት ከምዝኾኑን ኣብዚ እዋን ዓቢይ ጾም ንሕዝብን ቤተ ክርስትያንን ጃፓን ብዅሉ መዳይ ቀረባ ኮይኖም እኖ ስቑል ኢየሱስ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምጽንናዕን ደገፍን ከተማልድን ምስ ሕዝቢ ጃፓን ሓቢራ ክትጽልን ክትጓዕዝን ክጽልዩ ምዃኖም ከምዘረጋገጹ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.