2011-03-17 14:13:49

ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳታ ቤት ምክሪ መግለጺ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2011 ዓ.ም. ወርሒ መስከረም ኣብ ጀርመን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ቅድም ክብል ከምእተገልጸ እንክዝከር፣ ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳታ ቤት ምኽሪ RealAudioMP3 ንመደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦናን ኣብቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መደባት ዝካየዱ ርክባትን ብጠቕላላ ብዛዕባ እቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝገልጽ ጽሑፍን ናይዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣርማን መርሕ ቃልን ኣብ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ንውህደት ኣሚቱ ዝግበር ጻዕሪ ዘለዎ ዓቢይ ደገፍን ብዕምቆት ዘረድእ ኣብ ጀርመን ከተማ ፓደርቦርን ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበርን ናይ ፍሪቡርጎ ሊቅ ጳጳስን ብፁዕ ኣቡነ ሮበርት ዞሊሽን ናይ ኤርፉርት ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆኣኪም ዋንከን ናይ በርሊን ርእሰ ሰበኻ ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ማቲያስ ሄይንሪኽን ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ኣባ ሃንስ ላንገንዶርፈር ብሓባር ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበሩ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኣንከሎ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ትሪቨነቶ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብቲ ከባቢ ኣብ ኣኵለያን ቨነዚያን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ዕለት 7 ክሳብ ዕለት 8 ግንቦት 2011 ዓ.ም. ንዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ርእሰ ጉዳይ ዝገበረ ኣብ ቨነዚያ ከተማ ዘላሪኖ ናይ ትሪቨነቶ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ቅድሚ ትማሊ ኣኼባ ከምዘካየደ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ብፁዓን ጳጳሳት ትሪቨነቶ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ቀንዲ መደባቱን ዘተኵረሎም ጉዳያትን ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ 2012 ዓ.ም. ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ኣኵለያ ንዝካየድ ካልኣይ ዓውደ መጽናዕቲ ሥነ ቤተ ክርስትያን ደገፍን መምርሒ ዝህብን ናቲ ዓወደ መጽናዕቲ ዘሰንይን ምዃኑ ናይ ትሪቨነቶ ብፁዓን ጳጳሳት ቅድሚ ትማሊ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ሓቢሮም፣ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ዓቢይ ጸጋ ኢዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.