2011-03-17 14:06:39

ትንታኔ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ንበዓለ መበል 150 ዓመት ውህደት ሃገረ ኢጣሊያ


ሮማ ኣብ ዝርከብ ሮማ ትረ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ መንበረ ጥበብ ናይ ቤተ ክርስትያን ሕገ ቀኖና ደንብታትን ሥርዓትን መምህር ናይ ሥነ ሕጊ ሊቅ ፕሮፈሰር ካርሎ ካርዲያ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 እቲ ሎም ኣብ መላእ ኢጣሊያ ዝብዕል ዘሎ መበል 150 ዓመት ሥምረት ሃገረ ኢጣሊያ ምኽንያት ንናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር RealAudioMP3 ጆርጆ ናፖሊታኖ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ መሠረት ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ ኢጣሊያ ሃገራዊ ታሪኽ ዝዳህሰሰን ዘነጽርን ብሓጺሩ ብሔራዊ ታሪኽ ኢጣሊያ ዘረድእ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ ሓቆፍ መንፈስ ዘድምዕን፣ ኢጣሊያ ኣብ ብሔራውነት መንፈስ ክትጸንዕ ዘተሓሳስብን ናይ ኢጣሊያ ናይ ሥርዓትን ደንብን ባህልን ሃይማኖትን ሥነ ጥበባዊ ባህልን ኩሉ መዳያዊ ባህላ ኣብ ናይ ኢጣሊያ ሓድነት ዝሃቦ ኣስተዋጽኦን ዝዘርዘረን ብሓቂ ኢጣሊያውያን ብናይ ሃገራዊ ሥምረት ሓጎስ ክስምዖም ዝጽውዕ ኢዩ። ሓንቲ ሃገር ናይ ሓደ ድምጺ ቃናን ሓደ ልምድን ስምዒትን ርእይቶን ውጽኢት ከምዝኾነ ዘነጽር መልእኽቲ ኢዩ።

ሃይማኖት ክርስትና ኣብ ናይ ኢጣሊያ ሃገራዊ መለለዪ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዘበርከተን፣ ብሓፈሻኡ ናይ መለለይኣ ውሁድ ቃና ኢዩ። ክርስትና ንናይ ኢጣሊያ ባህላውን ማኅበራዊ ሰብኣውን በመቆል መሠረት ኢዩ። ንኢጣሊያ ጥራሕ ዘይኮነ ድማ በመቆል ባህሊ ኤውሮጳ እውን ከምዝኾነን፣ ንኢጣሊያ ፍልይ ዘብላ ድማ እዚ መበቆላዊ ባህላ ኣብ ዘመናትን ግዜን ኅልው ገይራ ብምዕቃባ ኢዩ። ማእከላይ ዘመን ቀጺሉ ድማ ኣብ ዘመን ተሃድሶን ናይ 800 ዓመታት ናይ ኢጣሊያ ባህሊ ብናይ ክርስትና ሃይማኖት ተመክሮታት ዝልለይ ኢዩ። ስለዚህ ክርስትና ናይ ሃገረ ኢጣሊያ ውሁድ ቃና መንፈስ ምዃኑ ዘረድእ መልእኽቲ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ዘመን ዳግማይ ምብርባር ታሪኽ ኢጣሊያ ኢጣሊያ፣ ሉኣላዊት ሃገር ኮይና ዝቆመትሉ እዋን ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልኽቶም ጠቒሶም፣ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ታሽዓይ ኣብቲ እዋን ዘቕረብዎ ተቓውሞ ሥምረት ወይ ድማ ሓድነት ዝቃወም ዘይኮነስ፣ ታሪኻዊ መሠረት ዘለዎን እቲ ሓድነት ንምርግጋጽ ዝተሓጸጸ ኣገባብ ብዙሓት ታሪኻዊ ሕቶታት ፍታሕ ከይሃበ ይሰግሮም ስለ ዝነበረን በዚ መሠረት ዘቕረብዎ ሓሳብ ኢዩ ኔሩ። ናይ ኢጣሊያ ታሪኽ ዳግመ ተሓድሶ ብጽገናዊ ለውጢ ብዝኣምን ክልሰ ሓሳብን ብካቶሊካዊ ባህልን መንፈስ ዝቖመ ኢዩ። ኣብ 1947 ዓ.ም. ናይ ኢጣሊያ ሬፐብሊካዊ ሕገ መንግሥቲ ኣብ ምቛም ኣብ ዝተገብረ ጻዕሪ ካቶሊካውያን ብመንፈስ ሥምረት ተመሪሖም ከምእተሳተፉን፣ ማኅበራውን ሃገራውን ባህላውን ሓድነት ክረጋገጽ ኣሚቶም ከም እተንቀሳቐሱ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልኽቶም ብሰፊሕ ተንቲኖምዎ ኢዮም።

ኣብ መደምደምታ ኣብ መንጎ ኢጣሊያን ሃገረ ቫቲካንን ዘሎ ርክብ ጽኑዕን ኣብነት እውን ምዃኑ ብምዝኽኻር ቤተ ክርስትያን ናይዚ ናይ ኢጣሊያ መበል 150 ዓመት በዓል ሃገራዊ ሥምረት ተሳታፊት ኢያ ቢሎም፣ ንኢጣሊያን ሕዝባን ሰናይ ምንዮቶም ብምግላጽን ቡራኬኦም ብምሃብ ዘጠቓለለዎ መልእኽቲ ምዃኑ ፕሮፈሰር ካርሎ ካርዲያ ገሊጾም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.