Home Archivio
2011-03-17 14:16:31
ማኅበራዊ ፍትሕን ሰላምን ንምርግጋጽ
ናይ ሳን ሳልቫዶር ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኦስካር ሮመሮ ዕለት 24 ሚያዝያ 1980 ዓ.ም. መሥዋዕተ ቅዳሴ እናዕረጉ እንከለዉ ብኢድ ዕጡቓት ኃይሊ ዝተቐሉ፣ ማኅበራዊ ፍትሕን ሰላምን ንኽረጋገጽን
ኣብዚ መዳይ ከይተሓለሉ ኣብ ጎድኒ ድኻታትን ሕዙናትን ዝተነጸሉን ናይ ዓመጽን ኣድልዎን ኣደዳ ንዝኾኑ ክፍሊ ኅብረተሰብ ጎድኒ ኮይኖም ሓዋርያዊ ኣገልግልቶም ዝፈጸሙን ኣብ ኩሉ መዳይ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሑስ ክኸውን ከይተሓለሉ ብብርሃን ወንጌልን ቅዱሳት ምሥጢራት ሥልጣናዊ ትምህርቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን መሠረት ናይ ኵሉ ኅሊና ኣብ ምንቕቓሕ ስለ ዝተጸምዱ እዚ ቅዱስ ኣገልግሎቶም ነቶም ኣብ ናይ ዓመጽን ምዝመዛን ተግባራት ዝተዋፈሩ ጉጅለታት ናይ ሕሊና ሕቶ ስለ ዝኾኖም በዚ ምኽንያት ዝተቐሉ ናይ ማኅበራዊ ፍትሕን ሰላምን ምልክት ተባሂሎም ዝግለጹ ዝኸፈልዎ መሥዋእትነት ንምዝካር ካብ ሎሚ ዕለት 17 መጋቢት 2011 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 2 ሚያዝያ 2011 ዓ.ም. ኮምቴ ብፁዕ ኣቡነ ኦስካር ሮመሮ ምስ ሰላመ ክርስቶስ ማኅበርን ደገፍን ምሕዝነትን ምስ ላቲን ኣመሪካ ምስ ዝተሰምየ ማኅበር ብምትሕብባር ዘዳለዎ ኣብ ሕይወት ታሪኽን መልእኽትታትን ስብከታትን ብፅዕ ኣቡነ ሮመሮ ዘማእከለ ዓውደ መጽናዕታትን ናይ መንፈሳዊ መዝሙር ኮንሰርትን ናይ ስእሊ መግለጽታትን ዝቐረበሉ መደብ ከምእተጀመረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት እንክሕበር፣ ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ ዝተቐተሉላ ዕለት 24፣ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም፣ መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ “ሓቂ ናይ ኩሉ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን” ዝነቓቕሓሉ ዕለት ኮይኑ ክብዕል ዝሓለፈ ዓመት ዝሃቦ ውሳኔ እነሆ ነዛ ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ ዝዝከሩላ ዕለት ፍልይትን ዓባይን ዝግበራ ምዃኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኮምቴ ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ ዘተሓላለፎ መግለጺ ጠቂሱ የመልክት።
All the contents on this site are copyrighted ©.