2011-03-15 13:34:46

ግብጺ፦ ዳግማይ ሕንጸት ዝዓነዋ ኣቢያተ ክርስትያን


ናይ ግብጺ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻን ኣብ ዝሐለፈ ዕለት 5 መጋቢት 2011 ዓ.ም. ብኣኽረርቲ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ብሓዊ ዝነደዳ ኣብ ሶውል ዝርከባ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሚናን ቤተ ክርስትያን RealAudioMP3 ቅዱስ ጊዮጊስን ንዳግመ ሕንጸት ከምእተዋፈረ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ዳግማይ ሕንጸት ናይተን ዝዓነዋ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ኣቢያተ ክርስትያን፣ ኣብቲ ዝነበራሉ ቦታ ዝፍጸም ምዃኑ እንክንገር፣ መንግሥቲ ግብጺ ብዝሰልዖ መሳለጢ ገንዘብ ዝካይድ እውን ከምዝኾነ ኤሺያን ኔውስ ገሊጹ እዚ ናይ መንግሥቲ ውሳኔ’ዚ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ከምእተቓወምዎን ነቲ ናይ ዳግመ ሕንጸት ኣቢያተ ክርስታይን ወፈራ ንምትዕንቓፍ ኣብ ናይ መንግሥቲ መደብር ቴሌቪዥን ሕንጻ ፊት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዘካየዱ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ዝሓለፉ ማዕልታት ናይ ግብጺ ኣል ኣዝሃር መንበረ ጥበብ ልኡኻት ኣብታ ካብ ካይሮ 30 ኪሎ ሜትር ብሸነኽ ደቡብ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ሶውል ዝነብሩ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕትን ናይ ምእመናን ወከልትን ተራኺቦምን ኣብ ልዕሊ ናይታ ከተማ ናይ ኦርቶዶክስ ኣቢያተ ክርስትያን ዝተፈጸመ ናይ ምፍራስ ተግባርን ከምኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ምእመና ማኅበረ ክርስትያን ዝተፈጸመ ዓመጽ ኮኒኖም ቅርበቶምን ደገፎምን ከምዘረጋገጹ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.