2011-03-15 13:31:03

ቤተ ክርስትያን ኣብ መርበብ ሓበሬታን መርበብ ማኅበራዊ መራኸቢታትን


ብውሳኔ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16፣ ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ዕለት 1 ግንቦት 2011 ዓ.ም. ብፁዕና ክእወጀሎም ምዃኑ ብተደጋጋሚ ከምእተነግረ ዝዝከር ኮይኑ፣ በዚ ዓቢይ ዕለት ቤተ ክርስያን ምኽንያት ድማ እነሆ ብሓልዮት ራዲዮ ቫቲካንን ናይ ቫቲካን ናይ ቴሌቪዥን ማእከልን RealAudioMP3 ብፍቓድን ስምምዕን ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ፈይስቡክ ብዝብል ኣድራሻ ድረ ገጽ ዝፍለጥ መርበብ ማኅበራዊ መራኸቢታት ፍሉዩ ገጽ ከምዝተኸፍተ እንክንገር፣ እዚ ድማ ብመርበብ ሓበሬታን መርበብ ማኅበራዊ መራኸቢታትን እደ ጥበብ ብዘቕርቦ መጋበርያታት ብምጥቃምን ናብታ ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብፅዕና ዝእወጀሎም ዕለት ዘሰንይ ምዃኑ፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም ሓላፍን ናይ ቫቲካን ረዲዮን ናይ ቫቲካን መደብር ቴለቪዥን ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም።

እዚ እውን ብስም ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ፈይስቡክ መርበብ ማኅበራዊ ሽራጥ ቫቲካና ነጥቢ ጄይኦውፒኤይዩኤል ክልተ ብዝብል ኣድራሻ ዝልለ ምኳኑ ኣባ ሎምባርዲ ገሊጾም፣ ብጠቅላላ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽኮኑ ምስ ተሾሙን ምልስ ቢሉ ናይ ንእስነትን መንእሰይን ዕድሜኦም ጸዋዕታ ክህነቶምን ቅብኣተ ጵጵስናኦምን ኵሉ ታሪኽ ሕይወቶም ዘጠቓለለ ናይ ድምጽን ርእየትን ማኅደራት ዘጠቓለለን፣ እዚ ዅሉ ድማ ንምእዋጅ ብፅዕናኦም ዘማእከለ ኮይኑ ዝቐረበ ከምዝኾነን ካብ ራዲዮ ቫቲካንን ናይ ቫቲካን ናይ ቴለቪዥን ጣቢያ ናይ ድምንጽን ርእየትን ቤተ መዝገብ ዝተዋጽኤ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም ዘውጽኦ መግለጺ የረድእ።

ኣዚ ውሳኔ’ዚ ንብዙሓት መንሰያትን ኮታ ንኹሎም በቐረባን ብርሑቕን ንዝፈለጥዎም ኣዚዩ ዘሐጐሰ ከምዝኾነን፣ ብቃሎምን ስእልታቶምን ዝተደገፈ ታሪኽ ሃለዋኦምን ብፍላይ ድማ እቲ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብቲ ነዊሕ ዓመታት ኣገልግሎቶም ዝበለዎን ዘተሓላለፍዎም መልእኽትታቶም ኣስተምህሮታቶምን ሥልጣናዊ ትምህርቶምን ዝሓዘለ ከምዝኾነን፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅድም ክብል ኣብ ዩ ቲዩብ ተባሂሉ ዝፍለጥ መርበብ ማኅበራዊ መራኸቢ እውን ድሮ ከምዘሎ ኣባ ሎምባርዲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.