2011-03-13 11:18:54

ሰንበት ዘድራር ጾም የካቲት 20 2003 ዓ.ም. ( የካቲት 27 2011)


መዝሙር፡ ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት ወበርዓድ. . . . ።

ንባባት፡ 2ቆሮ 5፡20~ፍ፥ ኢዮኤል 2፡12~18፥ ግ.ሓ. 25፡13~ፍ፥ ማቴ. 6፡1~18

ስብከት፡ “ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት፥ ወተሓሠዩ ሎቱ በርዓድ፥ አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዐዕ እግዚአብሔር” “ንእግዚአብሔር ብፍርሃት አገልግልዎ ብርዓድ ከአ ስገዱሉ፥ ጎይታ ከይቑጣዕ ተግሳጹ ተቐበሉ” መዝ. 2፡11~12።

ናይ ሎሚ ሰንበት አስተንተኖና አብ ክልተ ዓበይቲ ነገራት ተመስሪትና ንገብሮ አሎና።

ሀ. ጾም አርብዓ ንጅምር ስለ ዘሎና ክሕግዘና ምእንቲ አብኡ ክነስተንትን። ለ. ዓመታዊ ብዓል ኪዳነ ምሕረት አብ ሰበኻ አሥመራን አብዚ ከአ ማሕበር ደቂ ኪዳነ ምሕረት ዓመታዊ ብዓለን ዘኪረን ስለ ዘለዋ፥ ነዚ ምኽንያት ገርና ምስ ማርያም ዘሎና ርክብ ክነሐድስ ምእንቲ።

ሀ. ጾም አርብዓ፦

አብ ንባባትናን አብ መዝሙርን መሰረት ገርና ክነስተንትን፤

መዝሙር፡ ንእግዚአብሔር ብፍርሃትን ብርዓድን ተገዝእዎ ከመይ ምሕረቱ ንውሉድ ወሎዶን ንዘለዓለምን እዩ። ንሕና ህዝቡ ኢና አብ ቅድሚኡ ብምስጋናን ብምስንዳውን አመስግንዎ። ጾም ንጹም ንብጾትና ነፍቅር ነነሓድሕድና ንፋቐር። ሰንበት አኽብሩ ሰናይ ግበሩ ከመይ ሰንበት ምእንቲ ሰብ እያ ተፈጢራ ምሕረትን ፍትሕን እዝምረልካ አሎኹ እዝምርን መገዲ ሓቂ አስተውዕልን አሎኹ። ምሕረቱ ንውሉድ ወለዶን ንዘለዓለምን እዩ። ንውሉድ ወለዶ ጽድቁ። ንሕና ህዝቡን አባግዕ መጓሰኡን ኢና። ምስ አምላኽ ክህልወና ዘልኦ ሕይወት አብቲ እንገብሮ መዓልታዊ ግብርና ስለ ዝምስረት ብትግሃትን ብምስትውዓልን ሕይወትና ክንመርሕ ከም ዝግብአና አብዚ ናይ ሎሚ መዝሙር ንርእዮ። መገዲ አምላኽ ብርሁ ክትከዶ ጥዑም ምድንጋር ዘይብሉ እዩ፥ ጋሻ ነገር ምስአእቶና ጥራሕ እዩ ዝደናገረና፥ መዝሙርና እምብአር ንመገዲ አምላኽ ክነለልን ክንፈልጥን የዘኻኽረና። ሓደ ካብቲ ሓባርን ጠቓምን አብ መገዲ አምላኽ ክንአቱ ዝሕግዘና ጾም እዩ። ጾም እንታይ እዩ? ሓቀኛ ጾም ከመይ ገርና ንፍጽሞ።

ዘመነ ጾም ካልአይ ክፋል ናይ ዘመነ ሓጋይ እዩ። ነቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ምድረ በዳ ብጾምን ጸሎትን ዘሕለፎ 40 መዓልቲ የዘኻኽረና። ንብዓለ ፋሲካ ክንቀራረብን ክሕግዘና ምእንቲ አብ ጾምን፥ ተጋድሎን፥ ጸሎትን ነሕልፎ። አብዚ ናይ ምስንዳው ንብዓል ፋሲካ ክሕግዘና ምእንቲ ንሾመንተ ሰናብቲ ዝኸውን መዛሙር ቤተ ክርስትያን አሰናድያትልና አላ እዚ ኸአ ክንዝምርን ከነስተንትን ምእንቲ እዩ። ዘቅበላ፥ ዘቅድስት፥ ዘምኵራብ፥ ዘመጻጉዕ፥ ዘደብረ ዘይት፥ዘገብረኄር፥ ዘኒቆዲሞስ፥ ዘሆሳእና ይብሃሉ። ፋሲካ ምስ ቀረበ ኸአ ጸሎተ ሓሙስን ዓርቢ ስቕለትን አለዉ።

ንሎሚ ሰንበት ዘኪርናዮ ዘሎና ዘቅድስት ዝብል እዩ ጾም አርብዓ ዘቅድስት እውን ይብሃል እዩ። እዚ መበሊኡ ኸአ ክርስቶስ ብጾሙ ስለ ዝቐደሳ እዩ። ጾም አብ ብሉይ ኪዳን ይኹን አብ ሓዲስ ኪዳን ይዝውተር ከም ዝነበረ ቅዱስ መጽሓፍ ደጋጊሙ ይነግረና። እግዚአብሔር ገጹ ክመለስ ምእንቲ ብጾም ንቐርቦ። ጾም ምልክት ጣዕሳ፥ንስሓ፥ ምምላስ እዩ። ዮናስ ነብይ ንሰብ ንነዌ ምዓት አምላኽ ክይወርዶም ክጾሙ ነጊርዎም፥ ኤልያስ አርብዓ መዓልትን ለይትን ጸይሙ። ሙሴ አብ ደብረ ሲና አርብዓ መዓልትን ለይትን ምስ አምላኽ እናተራኸበ ጸይሙ፥ ዮሓንስ መጥምቕ አብ በረኻ ይጸውም ነሩ ወዘተ። አብ ስርዓትን ባህልን አይሁድ ጾም ቀንዲ ምልክት እምነቶም እዩ።

ኢዮኤል ነብይ ነቶም ህዝቢ አብ ተሓድሶ ገጾም ክምለሱ ይሕብሮም፥ አምላኽ ካብ ምቕጻዕ ንስሓ ከምዝደሊ ይነግሮም። እግዚአብሔር ሕጂ አብዚ እዋን እውን ንዝንሳሕ ምሕረቱ ክህብ ስንድው ምዃኑ ይገልጸሎም። አብ ሓዲስ ሕይወት ክአትዉ ልቦም ክቕየር አለዎ። እዚ ነብይ እዮኤል ዝብሎ ንኹሉ ትርጉም ንስሓ ጸሚቑ እዩ ዝህበና። “ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ቕደዱ” ይብል። ግዳማዊ መግለጺ ወይ ለውጢ ናይ ልቢ አይኮነን። እግዚአብሔር ጥራሕ ዝፈልጦ ምሕዳስ ግበሩ።

አብ ተሓድሶ ኩልና ኢና እንጽዋዕ ዘሎና፥ ዓበይቲ ሕፃናት፥ መርዓውቲ ከይተረፉ ብዙሕ ጊዜ ካብዚ ብዩናት ዝኾኑ ከይተረፈ ይጽውዑ አለዉ። ውሽጣዊ ተሓድሶ አብ ኩሉ ክርአ ምእንቲ ክንጸውም ንሕተት አሎና። አምላኽ አብ ሕይወትና አብ ኩሉ ግብርና ህልው ክንገብሮ እሞ ንስሓ ርእስናን ወገናን ክንእውጅ። “አብ እምባ ጽዮን መለኸት ንፍሑ፥ ጾም አውጁ፥ አኸባ ጸውዑ፥ ህዝቢ አክቡ፥ ቅዱስ ጉባኤ ኸም ዘሎ ንገሩ. . . “ ጾም ክእወጅ እሞ ኩሉ ክሳተፎ ይግባእ። ጾም ብግሊ ጥራሕ ዝግበር አይኮነን ኩልና ክንአትዎ ይግባእ። ነዚ መንፈሳዊ ጉዕዞ ሎሚ ንአትዎ አሎና። ነዚ ጉዕዞ አብ መፈጸምታ ክነብጽሖ ፍሉይ ተበግሶን ምስ ርእስና ክንፋረድን ክንዕጠቕን የድልየና።

ጾምና ፍረ ዘልኦ ክኸውን እንታይ ክንገብር ይግብአና፡


ጊዜ ጾም እምብአር ፍሉይ ጊዜ ቅድስና፥ንአምላኽ ብፍሉይ እንቀርበሉ ጊዜ፥አብ መንጎና ከም ሰብ መጠን ከም ክርስትያን መጠን ክንለብሶን ክንከዶን ዝግብአና ገምጊምና ክንርኢ ዝሕግዘና እዋን እዩ። እዋናት ጾም አብ ፍጹም ውህደት ምስ አምላኽና ክንበጽሕ ዝሕግዘና ስለ ዝኾነ ፍሉይ አቕልቦን አተኩሮን ሂብና ብልቢ ንአምላኽ ንቕረቦ።

ኪዳነ ምሕረት፡

ዓመታዊ ዝኽረ ብዓል ኪዳነ ምሕረት ሎሚ ዘኪርና ነብዕል አሎና። መስጢር ብዓልና አብቲ አምላክ ምስ ደቂ ሰብ ዝአተዎ ኪዳን ዝተመስረተ እዩ። ንሱ ኸአ ድሕሪ ውድቀት ቀዳሞት ወለድና ዕርቂ ምስ አምላኽ ክግበር ዝተአቶ ኪዳን ኢና ንዝክር ዘሎና። ማርያም ነዚ መደብ አምላኽ ክትሳተፍ ባዕሉ ሓርይዋ ንጥፉእ አዳም ክመልስ ናታ እሽታ ክሓትት አምላኽ ደልዩ። ነገሩ ምስጢር መሎኮት ስለ ዝኾነ ክትርድኦ ከቢድ ኮይኑ ግን አምላኽ ልዕሊ ኹሉን ከአልኩሉን ስለ ዝኾነ እሞ ድለቱ ምስ ገለጸ ማርያም ከም ዝበልካዮን እትደልዮን ይኹን ኢላ ባብ ድሕነት ከፊታ። ፍጡር ወዲ አዳም ንመለኮት ከስተማቕር ጀሚሩ ነቲ ብሰንኪ ጥልመቱ ዝተከቦ ቅጽዓት መደበስታ ረኺብሉ፥ አፍደገ ሰማይ ተኸፊቱ አብ ክብሪ አምላኹ ክሳተፍ ዝኸፍት አፍደገ ድሕነት ተኸፊቱ። ብመልአኹ ገሩ ነዚ መደብ ድሕነት ምስ አበሰራ ማርያም አብ ድሕነትና ምሉእ ተዋስኦ ክትገብር ጀሚራ። ዋዜማ ኪዳነ ምሕረት፥ “እንዘ አመቱ እሙ ረሰያ” ይብል።


ብዓል ኪዳነ ምሕረት ንነፍስወከፍና ፍሉይ መልእኽቲ አልኦ። ምስ ማርያም ርከበይ ከመሎ ምስ ደቂ ማርያም ርክበይ ከመሎ። ምስ ቤት ማርያም ርክበይ ከመሎ። ነዝን ካልእን ክንምልስ እንተ ከአልና አብ ቤት አምላኽ ክንአቱ አይክኸብደናን እዩ። ሎሚ ካብ ኩልና እትደልዮ ነገር አሎ። ተነስሑ እሞ ወደይ ዝበለኩም ግበሩ ትብለና አላ። ልብና ክነንጽሕ ሓቂ ክንሕዝ ናይ ሰብ ጃህራን መን ከማይን ዝብል ሓዲግና አብ አምላኽ ክንምለስ ሎሚ ድላይ ማርያም እዩ። ቀዳሞት ጸገም ክጓነፎም እንከሎ አብ ማርያም ይምለሱ ነሮም፥ ነፍሰ ጾር ሕርሲ ክብርትዓ እንከሎ አደታት አብ ማርያም ይውከላ። ሰላም አብ ሃገር ክስአን አንከሎ አብ ማርያም ንልምን፥ ለመንቲ ምእንቲ ማርያም ኢሎም ክልምኑ እንከለዉ ይትኮበሎም፥ ከምዚ ሎሚ ከይኮነ ሰብ ብማርያም ኢለ ድሕሪ ኢሉ ሓቀኛ ትርጉም ነርዎ። ብሓጺሩ ማርያም አብ ሕይወት ሓደ አማኒ ኩሉ እያ ነራ። ሎሚ ነዚ ክንሕድስ ኢና አብዚ ቅዱስ ቦታ ዘሎና ንቀለዓለም ንተባዕለ አይኮነን ብዓልና ብሕልናና ልብና አቕኒዕና አብአ ንመለስ፥ ምስ ወድኪ ክንዕረቕ መንጎኛ ኩንና ንበላ።

ጾምና ፍርያም ክኸውን ንማርያም አብ መንጎና ነሕድራ። ድሕሪ ሞት ወዳ ነታ ቀዳመይቲ ማሕበር ክርስቶስ አብ ከቢድ እዋን ሓዘን ፍርሃት አካቢታ ጸግዓ ንሳ እያ ነራ እሞ ሎሚ እውን አብ መንጎና ተረኺብኪ ሓግዝና ነዚ ናይ ንስሓ ዘመን ብሓጢአትና ተነሲሕና መንፈስና መንፈስ ወድኺ ለቢሱ አብ ወድኺ ምለስና ንበላ። ጸሎታን በረከታን አይፈለየና።

ርሑስ ብዓል ኪዳነ ምሕረትን ቅድስና ዝዓዘዞ ጾም ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.