2011-03-13 11:19:03

ሰንበት ዘቅድስት የካቲት 27 2003 ዓ.ም. (6 የካቲት 2011)


መዝሙር፡ ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውዑ ስሞ. . . . ።

ንባባት፡1 ተሰሎ. 4፡1~13፥ 1ጴጥ. 1፡13~ፍ፥ ግ.ሓ. 10፡7~30፥ ማር.10፦17~31

ስብከት፡ “እግዚአብሔርሰ ሰማያት ገብረ፥ አሚን ወሰናይት ቅድሜሁ። ቅድሳት ወዕበየ ስብሓት ውስተ መቅደሱ” “እግዚአብሔር ግና ሰማያት ገብረ፥ ግርማን ክብርን ይኸቦ፥ መቕደሱ ኸአ ብኃይልን ጽባቐን ምሉእ እዩ” መዝ። 96፡5።

መዝሙር፡ ንእግዚአብሔር አገልግልዎ ስሙ ጸውዑ ተግባራቱ ነሕዛብ ንገርዎም ንስሙ ክብሪ ሃቡ። ንጽድቂ ተገዝኡ መዝገብኩም ነቐዝ አብ ዘየንቅዞ ሠራቒ አብዘይረኽቦ አብ ሰማይ ዕቖርዎ፥ ስንድዋት ኩኑ አብቲ ክርስቶስ ዘለዎ ንበሩ፥ ናይ ላዕሊ ሕሰቡ አብኡ መዝገብ ተዓቚርልና አሎ እሞ ንብጻይና ነፍቅር ርእስና ነትሕት ሰንበት ነኽብር። አብ ሕይወትና አምላኽ ዝለዓለ ቦታ ክንህቦ ከሎና ሽዑ አብ ሰማይ መዝገብ ሒዝና አሎና ማለት እዩ። ምስ ሰባት ዝህልወና ርክብን ምስ ንዋይ ዝህልወና ርክብ ዓቢ ግደ አለዎ አብ ጉዳይ ድሕነትና፥ ስለዚ ጥንቝቕ ሕይወት ክንመርሕ እሞ ቅዱሳት ክንከውን ዝዕድመና ጊዜ ንጅምር አሎና።

ሕይወትና ዕጡቕ ኮይኑ አብ መገዲ አምላኽ ጸኒዑ ክጉዓዝ እንከሎ ጥራሕ እዩ ቅሳነት ዘልኦ ምኽንያቱ ናይ ኩሉ ነገርና ሓቀኛ ትርጉም ዝረክብ አብኡ ስለ ዝኾነ። ንአምላኽ አብ ሕይወቱ ቦታ ዝሃበ ቀዳማይ ተግባሩ ንስብከት ምውፋር እዩ። አብ ወንጌል ኩሎም አብ ኢየሱስ ዝአመኑ እሞ አብ ሕይወቶም ተአምራት ዝተገብረሎም እንተ ረኤና ምስ ሓወዩ ብዛዕባ ክርስቶስ ክሰብኩ ንርኢ፥ አብ ዝኸድዎ ነቲ ዝተገብረሎም ይነግሩ ንአምላኽ የመስግኑ ገሊኦም ከአ ንኹሉ ሓዶጎም ስዒቦሞ። ክስዕበኒ ዝደሊ ርእሱ ይኽሓድ፥ አብኡ አዲኡ ሓዉ ሓፍቱ እኮታ ኩሉ ሓዲጉ ዘይሰዓበኒ ተኸታሊኤይ ክኸውን አይክእልን እዩ ይብለና። ምስ አምላኽ ምሉእ ውህደት ክንፈጥር ዝሕግዘና ጊዜ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና እዩ።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል እንዕዘቦ ኢየሱስ ምስ ሓዋርያቱ ንኢየሩሳሌም ገጾም እናኸዱ ዝበሎም ነንብብ። አብቲ ጉዕዞ እናመርሖም እንከሎ ናይ ሓደ ተኸታሊኡ ክጉዓዞ ዘለዎን ክገብሮ ዝግብኦን ይነግሮም። ጉዕዞ ንኢየሩሳሌም ፍሉይ ትርጉም አልኦ አብ ወንጌል ማርቆስ። ኢየሩሳሌም ዓባይ ከተማ ዓዲ መስሕ እያ አብአ ኩሉ አሎ፥ አብአ ኩሉ ሕማማቱ ሞቱ ትንሣኤኡ ተፈጺሙ። ድሕሪ ሞቱ ካብአ ተበጊሱ ወንጌል ናብ ኩሉ ዓለም ተዋፊሩ ቤተክርስትያን ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚራ። ነዚ አብ ሓሳቡ ገሩ ማርቆስ ዳርጋ ንኹሉ ውንጌሉ አብ ኢየሩሳሌም ገጹ ዘተኮረ ገሩ እዩ ጽሒፍዎ።

አብ መገዲ ጉዕዞ እንከሎ ሓደ አብ እግሩ ወዲቑ ንኢየሱስ ይሰግደሉ እሞ ሕያዋይ መምህር ይብሎ እዚ ኸአ ምናልባት ካብቲ ዝገብሮ ተአምራታት ርእዩ ይኸውን ወይ ብሓቂ አሚኑ ይኹን ወይክአ ምስኡ ርክብ ክገብር ደልዩ ይኸውን ሽዑ ዘለዓለማዊ ሕይወት ክወርስ እንታይ ክገብር ይብሎ አብ ዕላሉ ንኹሉ ሕግታት ካብ ንእስነቱ ከም ዘኽበረ ይነግር፥ ሽዑ ኢየሱስ ብዓይኒ ፍቕሪ ርእይዎ ይብለና፥ እዚ ብዓይኒ ፍቕሪ ረአዮ ዝብል አብ ሥጋዊ ወይ ስምዒታዊ ፍቕሪ ዝተመስረተ ዘይኮነ አብቲ ንሓደ ዝለዓለ ነገር ክትምነየሉ ከሎኻ ዝርከብ ፍቕሪ ዝተመስረተ እዩ። እዚ ሰብ ጥዑይ ሰብ እዩ ነሩ እንተኾነ ኢየሱስ ዝበለጸ ክኸውን ይደልዮ ከምዚ ኸአ ይብሎ አብ ምልአት ክትበጽሕ ሓንቲ ጥራሕ ተሪፋትካ አላ ዘሎካ ሸጥካ ንድኻታት ሃቦ ሽዑ ስዓበኒ እሞ ዘልአለማዊ ሕይወት ክትረክብ ኢኻ ኢልዎ ወዮ ብጽቡቕ ዝጀመረ ብዘይምጻእ መጺእካኒ ኢሉ ገጹ ደመና ተኸዲኑ ሓድጊግዎ ነቲ ዝቐረበሉ ዕድመ ክሰምዕ አይከአለን፥ ኢየሱስ ነታ ክሓድጋ ዘይከአለ ነገር ክሓድግ ይሓቶ፥ ነቲ ብአምላኽ ዝተዋህቦ በረኸት ክሓድግ ይሓቶ እንተኾነ ነዚ ስለ ዘይተጸበየ ሰላሕ ኢሉ ሓዲግዎ ከይዱ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮውሓንስ ጳውሎስ ካልአይ ነዚ ከስተንትኑ ከለዉ “አብ ኩሉ እዋን መንእሰያት ብዙሕ ሕቶታት ይሓቱ እዮም፥ ንሕይወት ዝርኢ ሕቶታት፥ ሓቀኛ መገዲ አየናይ እዩ፥ አየናይ እዩ ጽቡቕ አየናይከ ክፉእ. . .እንታይ ክገብር? አብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ክአቱ እንታይ ክገብር? እዝን ካልእን ይሓቱ ንነፍስ ወከፍኩም ዝብሎ መጸዋዕታ አምላኽ ክትሰምዑ ከሎኹም ማለት ስዓበኒ፥ አብ መገደይ ተመላለስ፥ አብ ጎነይ ደው በል፥አብ ፍቕረይ ጽናዕ ዝብል ምስ ሰማዕኩም ክትመርጹ ዕድል አሎ። እቲ ምርጫ ኸአ ንክርስቶስን መገዱን ናይ ፍቕሪ ትእዛዛቱ ምምራጽ እዩ። አብዚ ክነስተንትኖ ዝሕግዘና ብዙሕ ነገር አሎ፥ መጀመርያ ኢየሱስ ክዛረቦም እንከሎ አብ መገዲ ኮይኑ እዩ ዝዛረቦም፥ አብ ወንጌል የውሓንስ 14፡6 “መገድን ሓቅን ሕይወትን እየ ብዘይ ብአይ ሓደ እኳ ናብ አቦ ዝመጽእ የልቦን” ይብል። ምስ ሓዋርያቱ አብ መገዲ እሞ ማንም መገዲ ዘይኮነ መገዲ ንኢየሩሳሌም ዝወስድ እዚ ኸአ እቲ ኹሉ ንኢየሱስን ንሓዋርያትን ዘስምዖ ትርጉም ዝሓዘ እዩ። ኢየሱስ እቲ መገዲ እዩ እቲ መገዱ ኸአ አብ ኢየሩሳሌም የምጽኦ አብ ምስካም መስቀሉ ዘምጽኦ መገዲ፥ ምእንቲ ፍቕሪ አብኡን ምእንቲ ፍቕርናን ኢሉ ነፍሱ ከም ዘሕልፍ ዝገበሮ፥ አብ ናይ መጭረሽታ ዓወት ገጹ ዝወሰዶ መገዲ። እቲ መገዲ ኢየሱስ ብርእሱ እዩ። እቶም አርድእቱ ክኾኑ ዝደልዩ ምስኡ አብቲ መገዲ ክጉዓዝይ ስንድዋት ክኾኑ አለዎም። አብ መገዲ ኮይኑ ክዛረቦም እንከሎ እምብአር ነዚ ትርጉም ዝሓዘ እዩ። መገዲ ዝሓዘ አይጠፍእን እዩ፥ መገዲ ከይጠፍአካ ምስውዕል የድሊ።

መገዲ ከይጠፍአና ክንገብሮ ዝግብአና ነገራት አሎ፡


ስርዓታት ሕግታት ክነማልእ ንኽእል ኢና እዚ ግን ምሉአት ተኸተልቲ ክርስቶስ አይገብረናን እዩ። ልዕሊኡ ክንገብሮ ዝግብአና ነገራት አሎ። ነዚ ሃብታም ጎበዝ ፍጹም ክትከውን እንተ ደሊኻ ኩሉ ሸጥካ ስዓበኒ ኢልዎ እቲ ጎበዝ ብዙሕ ጥሪት ስለ ዝነበሮ ክገብሮ አይከአለን ንብረቱ መሪጹ። ንኢየሱስ ምእማን ወይ ምስዓብ ክብሃል እንከሎ ብምሉእ ልባኽ ምስዓቡ እዩ። ፍርቂ ፍርቂ ኮንካ ብግዳም ክርስትያን ብውሽጢ ግን ካልእ ምዃን ናቱ አይገብረናን እዩ። እዚ ናይ ወንጌል በጽሒ ጥዑይ ዝመስል ዝነበረ አብ ንብረት ዓለም ምስ መጸ ጸጊምዎ። እዚ ንነፍሲ ወከፍና ዝጓነፈና ፈተና እዩ። ንሃርፍ ንብረት ገንዘብ ምቾት ንደሊ ነዚ ግዝያዊ ዕግበት ዝህበና ነገራት ጥራሕ ክነናዲ ንርከብ ስለዚ አስተውዒልና ክንጉዓዝ ይግብአና። ሃብቲ ናብራ ዓለም ንልብና ይሰልቦ እዩ ስለዚ ዓቢ ትብዓትን ቆራጽነትን የድልየና።

ኢየሱስ እዚ ጎበዝ ሓዲግዎ ምስ ከደ አብ አርድእቱ ግልጽ ኢሉ “ንሃብታም አብ መንገስተ ሰማይ ክአቱ ክንደይ ከቢድ እዩ ካብ ሃብታም አብ መንግስተ ሰማይ ዝአቱ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል ኢልዎ፥ (አብ ከተማ ኢየሩሳሌም ዘእቱ ብዙሕ አፍደገታት ነሩ ሓንቲ ካብቲ አፍደገታት ጸባብ እያ አግማል ጽዕነት ጸሮም ብአአ ክሓልፉ ስለ ዘይክእሉ መጀምርያ ነቲ አቕሑት የራግፍዎ ገመል ምስ ሓለፈ ነቲ አቕሑት የሕልፉ እዚአ አፍደገ ዓይኒ መርፍእ ትብሃል ገመል ክተሕልፍ ስለ ዘይትኽእል ነዚአ እዩ ኢየሱስ አብ ዘረብኡ ዝጠቅስ)።

አብ ባህሪ ሰባትን ርድኢትን ሃብቲ ምልክት በረኸት አምላኽ እዩ ኩሉ ካብ አምላኽ ዝመጽእ በረኸት እዩ ስለዚ ሃብታም ምዃን ጽቡቕ እዩ። ኢየሱስ ነየናይ ሃብቲ እዩ ዝጻረር ዘሎ? ሃብቲ ንአምላኽ ዝትክእ ንሰብ አብ አንነት አውዲቑ ባርያ ሥርሑ ዝገብር፥ ከምኡ ዓይንና ጎልቢቡ ንአምላኽ ከይንርኢ ዝጉልብብ ሃብቲ ካብ አምላኽ የውጽአና። ልብና ቀልብና አብ ሃብትና ምስ ገበርና ንአምላኽን ንብጻይናን ከይንርኢ ይኽውለና። ሃብታም አይጸድቕን እዩ አይኮነን እቲ ነገር ሃብታም አብ ሃብቱ ዝተገዝኤ ክጸድቕ ከቢድ እዩ። ሃብቲ ምኽንያት ውድቀት ካብ መገዲ አምላኽ ክኾነና ይኽእል እዩ ስለዚ ዘይንመልኮ ሃብቲ ክንምነ አየድልን።

አብ ዓለም ሃብቲ መኸላእታ ድሕነትና ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ሃብታም ጎበዝ ንመጸዋዕታ ኢየሱስ ከይሰምዕ መኸላእታ ኮይንዎ። ንሱ ንኢየሱስ ሕራይ ክብል ንርእሱ ግን እምቢ ክብል አይከአለን። አብ ዕለታዊ ሕይወትና ከም እንርእዮ ዘሎና ዓለምና እናሰዓረ እምነትን ሓቅን ግን እናደኸመ ዝኸይድ ዘሎ ኮይኑ ይስምዓካ። ንአምላኽ ቀዳምነት ሂብና ክንከይድ ከሎና ጥራሕ እዩ ሕይወትና መስርዑ ዝሕዝ።

አብዚ ወንጌል ብዛዕባ ሃብታም እዩ ዝዛረብ ወይ ብዛዕባ ገንዘብ እዩ ኢልና ንነፍስና ድሓን ክንብል ንኽእል ኢና እንተኾነ ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ካባና ክንፈልዮ ዘይንደሊ እዩ ዝዛረብ ዘሎ። ምእንቲ አምላኽ ኢልና ክንሓድጎ ዘይንደሊ ነገር እዩ ዝዛረብ ዘሎ። እዚ ኸአ ብዛዕባ ምስ ሰባት ዘሎኒ ርክብ፥ ብዛዕባ ስራሕ ሓላፍነት፥ ብዛዕባ ጽቡቕ ጥዕና ክኸውን ይኽእል። አምላኽ አብ ዝተፈላለየ እዋን ብዝተፈላለየ መንገዲ አብኡ ክንቀርብ ይዕድመና ሎሚ እውን አብዚ ቅዱስ እዋን ጾም ንቅድስና ይዕድመና፥ አብ መአዲ ምሕረት ኢድና ክንሕውስ እሞ ንርእስና ተቐዲስና ንኻልኦት አብ መአዲ ቅድስና ክንዕድም። ግራት አምላኽ ዝዐየሉ ስኢኑ አሎ ኩልና አብ ካልእ አድሂብና ንአምላኽ መገዱ ጠፊኡና ዘሎና ንመስል ስለዚ አብ መገዱ ክንምለስ ንልመን አሎና። ከምቲ ሃብታም ጎበዝ ዘይኮነ ሕራይ ዝበልካኒ እገብር ንበሎ።

ተኸታሊ ክርስቶስ ምዃን ማለት ብዘይ ቅድመ ኹነት፥ ብዘይ ነግፈረግ፥ ብዘይ ውዓል ሕደር ምስዓቡ እዩ። አምላኽ ዝደልዮ ፍቓደኛታት ምዃን እዩ። እሞ ሎሚ አብዚ ጾም አርብዓ አብ እንጅምረሉ ዘሎና እዋን አብ ልብና አቲና ጻህያይ ሓጢአትና ክንወፍር እሞ ነቲ አብ ልብና በቚሉ ንመገዲ አምላኽ ክንርኢ አጸጊሙና ዘሎ ንምቅያስ፥ ነፍሲ ወከፍና እንጽህይዮ አሎና እሞ ዓቢ ሕማም እናወረድና አብ መጨረሽታ ተዓዊተ ጻህያይ ሓጢአተይ ወዲኤ ኢልና አብ ብርሃን ትንሣኤ ክንሳተፍ ሎሚ ሕራይ ኢልና ንውፈር።

ኦ ክርስቶስ ጎይታና ሓዋርያት ክርድኡኻ ጊዜ ወሲድሎም ንሕና እውን ከምቲ እትደልዮ ኮና ክንጉዓዝ ጊዜ ክንወስድ ኢና ምሃረና አታትየና አብርሃልና ሓብረና፥ እንሰምዓሉ እዝኒ ሃበና ንበሎ። ጾምና ናይ ንስሓን ሕድገት ሓጢአትን ክኾነልና ባዕልኻ ብጽጋኻ ምርሓና። አብ ፍጹም ጣዕሳ ሓጢአትና አቲና አብ ኩሉ ንስኻ እትደልዮ ክንገብር ሓግዘና ንበሎ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.