2011-03-12 15:05:57

ብፁዕ ካርዲናል ኮች፦ ዘተ ኣብ ፍቕርን ሓቅን


ናይ ክርስትያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮች ኣብ ሞስካ ሕዋርያዊ ምብጻሕ ንኸካይዱ ሎሚ ናብ ሩሲያ ከምዝነቐሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብፁዕ ካርዲናል ኮች ኣብ ሩሲያ፣ ምስ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ዝግበር ዘተ ዘተባብዕን ኣብዚ ጉዳይ ዓቢ ተራ ከምዘለዎ እንክንገር፣ ብፁዕነቶም ኣብ ሩስያ ምስ RealAudioMP3 ዝርከቡ ካቶሊክ ማኅበረ ክርስትያን ክራኸቡን ኣብ ሞስኮ ኣመ ኣምላክ ካቴድራል መሥዋዕተ ቅዳሴ ከቕርቡ ምዃኖም ብዛዕባ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝሕብር ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ብፁዕነቶም ናብ ሩሲያ ቅድሚ ምንቃሎም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምስ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ኪሪልን ምስ ናይ ፓትሪያርክ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ርክባት ሓላፊ ሜትሮፖሊታ ሂላሪዮን ክራኸቡን ምዃኖ ገሊጾም፣ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብ ቁስጥንጥንያ ድሕሪ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ስዒቡ ዝመጽእ ናይ ሞስካ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መደብ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ብሓፈሻኡ ናይ ካቶሊክን ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ እቲ ሓቂ ከም ቅድመ ቅቡል ዝወስድ ከይዲ ኢዩ።

ኣብ መንጎ ካቶሊክን ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ዘተ ሓደ ሓደ ዕንቅፋት ዘጋጥሞ እውን እንተኾነ፣ ኣብ ቀዳማይ ሽሓዊ ዓመት ኣብ ጽላል ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ዝነበረ ውህደት ክምለስ ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ንምንቕቓሕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ካልኣይ ሽሓዊ ዓመት ኣብ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ኣብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘተኮረ ቲዮሎጊያዊ ምዕባለ ተገይሩ ኢዩ። ኣብ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ውሽጢ ድማ ኣብ ቀዳምነት ዝቖመ ፍልልያት መሠረት፣ ሓንቲ ቤተ ክርስታያን ኦርቶዶክስ ኣብ ትሕቲ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ቀዳሜ መራሒ ዘይትምራሕ ናይ ምዃን ሕጋዊ ሉኣላውነት ዘልብስ ናይ ገዛእ ርእሳ ቀዳሜ መራሔ ሃይማኖት ኣለዋ ዝብል ዓይነት ለውጥታት ተከሲቱ ኢዩ። ስለዚህ ምስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ዝግበር ዘተ ነቲ ዝተከስተ ውሽጣዊ ለውጢ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ኣብ ግምት ዘእትው ክኸውን ኣለዎ። ካብዚ ዝተበገሰ ናይ ሓባር ዘተ ሸቶ ድማ ምሉው ውህደት ቤተ ክርስትያን ኢዩ ኢሎም።

ቀጺሎም ኣብ ፈረንሳ ርእሰ ከተማ ፓሪስ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ርክብ ዝሓሊ ዓለም ሓቆፍ ኮሚቴ ማኅበርሰብ ኣይሁድን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ርክብ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምስ ኣይሁድ ሃይማኖት ዝግበር ርክብ ዝከታተል ድርገት ብሓባር ዘነቓቕሕዎ መበል 21 ናይ ሓባር ዘተ ናይ ካቶሊክን ኣይሁድን ርክብ መበል 40 ንምዝካር ኣሚቱ ኣብ ተቛም ደስ ቤርናርዲንስ ካብ ለካቲት 26 ክሳብ ዕለት 2 መጋቢት 2011 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ጉባኤ ከምእተሳተፉን ምርግጋጽ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ሓባራዊ ብድሆ ምዃኑ ዘመልክት ዘረባ እውን ከምዘስምዑ ኣዘኻኺሮም፣ እቲ ናይ ፓሪስ ጉባኤ ዝሓለፉ ናይ ኣርብዓ ዓመት ናይ ሓባር ርክብ ገምጋም ከምዝገበረ ሓቢሮም፣ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ናይ ሓባር ዘተ ከምኡ ድማ ንሓድነት ኣሚቱ ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስያን ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ኣብ ዓለም ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበርን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሑስ ኽከውን ዘተሓሳስብ እውን ምዃኑ ገሊጾም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.