2011-03-12 18:47:24

ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ ተሐባባሪ መንበረ ጰጥሮስ ዝተሐባበር ማሕበር አባላት ተራኺቦም፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንናይ” Pro Petri Sede Sede”” ምትሕግጋዝ ምስ መንበረ ጰጥሮስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማሕበር አባላት አብ አዳራሽ ጉባኤ ጳጳሳት ቫቲካን ተቀቢሎም ከም ዘዘራረቡ ቫቲካን ዘውጽኦ መግለጺ አመልኪቱ።



እዚ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተሐባበር ግብረ ሰናይ ማሕበር አባላት ካብ ሀገራት በነ ሉክስ ዝመጹ ከም ዝኾኑ ክምልከት ከሎ ነቲ ድሕሪ ምንቅጥቃጥ መሬት አብ ሕማቅ ኩነታት ዝርከብ ህዝቢ ደሴት ሃዪቲ ዝውዕል ናይ ገንዘብ ሐገዝ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘረከቡ እዚ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አፍሊጡ ።

እንቋዕ ናብ መንበረ ጰጥሮስ ብድሐን መጻእኩም ክርስትያናዊ ሕይወትኩም ብምሕዳስ እዚ ገባሪ ሰናይ ማሕበርኩም ንዝተጸገሙን አብ ሽግር ንዝወድቁ ሰባት እትህብዎ ሕገዝን ምስ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እትገብርዎ ምትሕግጋዝን ብልቢ የመስግነኩም አብ አርብዓ ጾም ስለ ዘለና እዚ እትህብዎ

ምጽዋት ምስ ሙያ ቤተ ክርስትያን ዝላዘብ ኢዪ”ሞ እግዚአብሔር ይሃብኩም ብማለት ቅድስነቶም ነቶም አባላት ፕሮ ፐትሪ ከም ዘሞጐስዎም ክአ ካብቲ ርክብ ዝተኻየደሉ አዳራሽ ዝወጸ ም አግለጺ ሐበሬታ ሂቡ።

እዚ ፕሮ ፐትሪ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማሕበር”ዚ ንሕገዝ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝቆመ ግብረ ሰናይ ማሕበር ከም ዝኾነ ክፍለጥ ከሎ ቅድስነቶም ነቶም አባላቱ ተቀቢሎም አብ ዝዘራረብሉ ግዜ ፡ አብዚ ግዜ”ዚ ጸረ ድኽነት ህጹጽ ቃልሲ ዚካየደሉ ግዜ ከም ዝኾነ ከም ዘገንዘቡ እቲ መግለጺ ዘውጽኦ መግለጺ አገንዚቡ።

አብ ጽሑፋትን ተግባራትን ሐዋርያት ካብ ምቅባል ምሃብ ኢዩ ጥልቃዊ ሐጎስ ዝህብ ዝብል ሐረግ ጠቂሶም ንአባላት ፕሮ ፐትሪ አሞጊሶምስም ።

እዚ በታ ማሕበር ዝተዋህበ ሐገዝ ክአ ነቲ አብ ደሴት ሃዪቲ በተፈጥሮአዊ መቅስፍቲ ዝተጐድኤ ህዝቢ ከም ዝውዕል ክአ ገሊጾምሎም።

አገልግሎት ፍቅርን ሰናይ ስራሕን ረዲኤትን ባህርያዊ ተግባር ቤተ ክርስትያን ከም ዝኾነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነቶም ካብ በልጅዩም ንዝመጹ አባላት ግበረ ሰናይ ማሕበር ፕሮ ፐትሪ ተሓባባሪ መንበረ ጰጥሮስ አመልኪቶምሎም።

ብፍላይ ብግዜ ጾምን ጸሎትን ምጽዋትን ማለት ግዜ አርብዓ ጾም ብኹሉ ዓቅምና ነቶም አብ ዝኸፍኤ ሽግር ዝርከብ ህዝቢ ዓለም ክንሕግዝን ክንዕንግልን ግቡእና ኢዩ ክአ ኢሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ጸሎት ጾምን ምጽዋትን ምስ እግዚአብሔር ዘራኽበና መሳልል ከም ዝኾነ አመልኪቶም ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ድሕነትና አብ ጐልጐታ ዘሕለፎ ጸበባን ስቃይን አዘኻኺሮም

ብአምሳል እብዚአብሔር ዝተፈጥረ ሰብ ክብሩ ንሰብአዊ መሰሉን ክዕቀብ ከም ዘለዎ ክአ አገንዚቦም።

አብ መወዳእታ ክአ ሐልዮን ፍቅሪን ተስፋን እግዚአብሔር ክምስክሩ ብምትሕስሳብ ንማሕበርኩም ንዓኻትኩም ንአባላት ማሕበርኩም ንስዳራ ቤትኩም ሰላም ጥዕናን እናተመነኹ ነዚ ክአ አብ ሕድሪ ወላዲተ አምላኽ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቅዱስ ጰጥሮስን ቅዱሳን ሀገርኩም ከማልዱ እናተማሕጸኑ ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦሞም። በዚ ክአ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ምስ አባላት ማሕበር ፕሮ ፐትሪ ማሕበር ምትሕብባር መንበረ ጰጥሮስ ከም ተፋንዮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.