2011-03-08 14:45:42

ዱብሊን፣ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን 2012


ካብ ዕለት 10 ክሳብ ዕለት 17 ሰነ 2012 ዓ.ም. ኣብ ሬፓብሊክ ኣየርላንድ ርእሰ ከተማ ዱብሊን ናይ ዝካየድ መደብ መበል 50 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ምኽንያት ናይ ኣርማግ RealAudioMP3 ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ሲን ባፕቲስት ብራድይን ናይ ዱብሊን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ዲያርሙይድ ማርቲን ብሓባር ትማሊ ንጎሆ ብዒሊ መግለጺ ከምዝሃብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንክሕብር፣ እዚ ቅዱስ ቍርባን፣ ውኅደት ምስ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ኣብ መንጎናን ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ መበል 50 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ኣመልኪቶም፣ ናይቲ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ዋና ጸሓፊ ኣባ ከቪን ዶራን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ጉባኤ ከም ፍጻሜን ወትሩ ዘሰንይ ተግባር ኮይኑ ኣብ መንፈሳዊ ጉዕዞና ዝመርሓና ከምዝኾነ ዝሕብር ካብ ዕንጨይቲ ዝተጸርበ ደወል፣ እምነትናን ናይ ጸሎትን ዕርቅን ተልእኾን ዝብሉ ክርስትያናዊ ሓላፍነትናን ንኽንሕድስ እተተባብዓና ኣብ ቁምስናታት ዑደት ክትገብር ምዃና ሓቢሮም፣ እቲ ደወል እግዚኣብሔር ዘቕርበልና ጸዋዕታን ብቤተ ክርስትያኑ ኣቢሉ ናባና ዘብል ጸዋዕታ ትእምርቲ ዝገልጽ ከምዝኾነን ናይ ማኅበረ ክርስትያን ተስፋን ውዕዉዕ ውሳጣውን ክርስትያናዊ መንፈሳዊ ስምዒት ዘነቓቕሕን፣ ናብቲ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ዘሰንየና ኢዩ ኢሎም።

ነቲ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን መሰናደዊ እውን ዝተፈላለዩ ናይ ቅዳሴን ጸሎትን ኣስተንትኖን መደባትን ከምኡ ድማ ዝተፈላለዩ ዓወደ መጽናዕትታት ክካይድ እውን ምዃኑ ሓቢሮም፣ ቀዳማይ መዓልቲ መደብ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን እቲ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክፍሊ ኣካል ዝገብርና ካብ ምሥጢረ ጥምቀት ዝምንጭ ኣብ መንጎና ውህደት ዘረጋገጽ ጸጋ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝርርብ ዝግበር ምዃኑ ገሊጾም፣ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ አቢያተ ክርስትያን ንውህደት ኣሚቱ ንዝግበር ዘተ ዘተባብዕ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፣ ንኽርስቶስ በቲ እንቕበሎ ምሥጢረ ጥምቀት መሠረት ንኽንጥምቶ ዝሕግዘና ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.