2011-03-05 13:27:41

ብፁዕ ኣቡነ ኤተሮቪች፦ ውዕዉዕ ኅያውነትን ስፍሓተ ደረት ተልእኾ ቤተ ክርስትያንን


ብዛዕባ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ርእሰ ጉዳይ ዝገብር ሓፈሻዊ ሻምናይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኵላዊት ቤተ ክርስትያን መምርሒ ሰነድ ትማሊ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላላ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኒኮላ ኤቶሮቪችን ምኽትሎም ብፁዕ ኣቡነ ፎርቱናቶ ፍረዛ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም ኣዳራሽ ትማሊ መግለጺ ከምዝሃብሉ RealAudioMP3 ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም ኣፍሊጡ።

ክርስትያን ናይቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎን ዝተዓደሎን ተስፋ ምኽንያትን ክገልጽን ተራትዖ ክህቡሉን ከምእተጸውዓ ብፁዕ ኣቡና ኤቶሮቪች ንናይ ሓድሽን ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ብድሆታትን ምቹእ ጊዜን ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣተኵይሮም ብዛዕባ እቲ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሲኖዶስ መምርሒ ሰነድ ብወግዒ መግለጺ እንክህቡ ሓቢሮም፣ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ባህርዪ ቤተ ክርስትያን ዝምልከት ኢዩ ቢሎም፣ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ብባህርያ ድሕነት ኣምላኽ ንኸተበሥር ዝተላእከት ኢያ፣ ቤተ ክርስትያን ብባህርያ ልእኽቲ ኢያ። ስለዚህ እዚ ተልእኾኣ’ዚ ኣብ ገዛእ ርእሳን ንገዛእ ርእሳን ካብ ምብሣር ኣበጊሳ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ቀንደይና ተዋሳኢ እቲ ብናይ ሓደ ወዱ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መንፈስ ኣቢሉ ኣብ ታሪኽ ዝመርሓን ዘሰንያን እግዚኣብሔር ምዃኑ ተኣሚና ፈጻሚትን ወኪልን ምዃና እተፈልጥ ኢያ።

ስለዚህ ቤተ ክርስትያን እቲ ናይ አስፍሆተ ወንጌል ተልእኾኣ ብፍላይ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ እዋናዊ ዓለም ብውዕዉዕ ኅያውነት ከተነቓቕሖ ከምዘለዋ ተገንዚባን ምእንቲ’ዚ ብሓድሽ መንፈስ ስፍሓት ደረተ ተልእኾኣ ክብ ከተብል ከምእተጸውዔት ብፁዕነቶም እንከመልክቱ፣ ናይ ማኅበረ ክርስትያን ምስክርነት ግላውን ብሔራውን ኣብ ማሕበራዊ ናብራ ዝግለጽን ዕለታዊ ናብራን ተግባርን ብጠቕላላ ምሉእ ሕይወት ዝሓቁፍ ክኸውን ከምዘለዎን እዚ ድማ ብተራኦም ልኡኻት ወንጌል ከምዝኾኑን ናይ ሕንጸት ተግባሮምን ዝፍጽምዎ ግብረ ሰናይን ኅልውናኦም ኣብ እዋናዊ ዓለም ማኅበረ-ሰብ ክርስትያናዊ ተስፋ ንምክፋል ዝተጸውዑ ኢዮም ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም መግለጺ ሓቢሩ።

እታ ብባህርያ ኣብሣሪትን ልእኽቲ ወንጌልን ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ገዛእ ርእሳ ብወንጌል ሰቢኻን ለዊጣን እዚ ማለት ድማ ብወንጌል ነጺሓን ወንጌላዊ ፍስሃ እናቃልሔት ንኻልኦት እትማርኽ ኮይና ክትርከብ ኣለዋ። ኣብቲ ዓቢይ ተልእኾ ቤተ ክርስትያን ተሳተፍቲ ብርእሰ ብቕዓት ዝፍጸምዎ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘይኮነስ በቲ ዘጽንዕን ኃይሊ ዝህብን ካብ ቅዱስ መንፈስ ብዝወሃብ ጸጋ ወትሩ እዋናውን ዝኸውን ኢዩ።

ማኅበረ ክርስትያን ከእምን ዝኽእሉ ብፍላይ ድማ ነቶም ኢኣማንያን ዘእምን መታን ክኸውን ዝፍጽሞ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓጎስ ዝዓሰሎ ክኸውን ይግባእ ቢሎም፣ ኣብ መደምደማ መግለጺኦም ሓድሽን ዳግማይን ኣስፍሆተ ወንጌል ንምንቕቓሕ እንታይነት ተራ መራኸቢ ብዙሃን እንክገልጹ፣ ናይ ዳግም ኣስፍሆተ ወንጌል መደብ ቤተ ክርስትያን ካብቶም ብድሆታት ሓደ መራኸቢ ብዙሃን ከምዝኾነን ሓቢሮም ቤተ ክርስትያን መራኽቢ ብዙሃን ንተልእኾ ኣስፍሆተ ወንጌል ክትጥቀመሉን ብሓጎስ ወንጌል ከተበሥረሉ ከምዝግባእ ገሊጾም፣ ቤተ ክርስትያን መራኽቢ ብዙሃን ንሓድሽ ዜና መገልገሊ ክትጥቐምሉን ኣብዚ መዳይ ዓቕማን ዕደ ጥበባዊ ብቕዓት ክህልዋ ይግባእ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.