2011-03-03 14:26:08

ኢየሱስ ናዝራዊ ካልኣይ ክፍሊ ተኻታታሊት መጽሓፍ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይታ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ 2007 ዓ.ም. ዝደረስዋ ብቤት ማኅተም ሪዞሊ ተሓቲማ ንንባብ ዝበቕዔት ብዛዕባ ታሪኽ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን መልእኽቱን መንነቱን እተነጽር ኢየሱስ ናዝራዊ ዘርእስታ ቀዳመይቲ መጽሓፎም ተኸታታሊ ካልኣይ ክፍሊ ብጣልያንኛ ቋንቋ ብቤት ማኅተም ቫቲካን RealAudioMP3 ተሓቲማ ዝመጽእ ዘሎ ሓሙስ ዕለት 10 መጋቢት 2011 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካዲናል ማርክ ኦውለትን ናይ ሥነ ቋንቋ ሊቅ ጋዜጠይና ደራስን ናይ ሥነ ጽሑፍ ሊቅ ፕሮፈሶር ክላውዲዮ ማግሪስን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም ሓላፊ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርድን ካልኦት ዓበይቲ ምሁራት ኣብ ዝሳተፍሉ ዓወደ መጽናዕቲ ንንባብ ክትበቕዕ ምዃና ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም እንከመልክት። እዚ ከምዚ ኢሉ እንክሎ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ናይ መራኸቢ ብዙኃን ድሮ ብዛዕባ እዛ ኢየሱስ ናዝራዊ ካላእይ ክፍሊ ተኻታታሊት መጽሓፍ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብዙሕ ይዝረብን ትንትና ይቐርብን ከምዘሎ ክፍለጥ እንከሎ፣ እታ ኢየሱስ ናዝራዊ ቀዳመይቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቦና ጥምቀት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማየ ዮርዳኖስን ክሳብ ኣብ ደብረ ታቦር ትርኢት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምልዋጥ መንነት ክርስቶስ ዝገልጽን ትንተናን መረዳእታን ብምቕራብ ዘቋረጽዋ፣ ኣብዛ ካልአይቲ ክፋል ኢየሱስ ናዝራዊ መጽሓፎም ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብምቕጻል ኣብ ሕማማትን ሞትን ትንሳኤን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘተኮረ ትንተና ብምቕራብ፣ ሰብኣውነትን መለኮታውነትን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምትንታን በዚ መሠረት ድማ ሓቂ ንምግንዛብን ንምርዳእን 380 ገጽ ትሽዓተ ምዕራፍን መእተውን ድኅረ ጽሑፍን ታሪኽ ሕይወትን ዝሓዘለት ዘቕረብዋ መጽሓፍ ከምዝኾነትን ተሓቢሩ።

እታ ኢየሱስ ናዝራዊ ካልኣይ ክፍሊ መጽሓፍ፣ ካብ ናብ ኢየሩሳሌም ምእታው ጀሚሩ ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ቤት መቐደስ ምእታውን፣ ትንቢትን ራእይን ፍጻሜን መደምደምታ ማለት ብዛዕባ ዕድሎትን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕጽበተ እግር ክፍጽምን ብምቕጻል ተልእኾ እቲ ኣሕሊፉ ዝሕቦን ዝኽሕዶን ብምግላጽ፣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ኣብ መላእ ታሪኽ ዝተፈጸመ ክሕደት በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ክሕደት ተሰኪሙ ክሳብ መወዳእታ እቲ ናይ ዘስካሕክሕ ናይ ዓለም መከራ ጸይሩን ክሓልፍ ነቲ ከቢድ ናብ ቀሊል ዝልውጥ ናይ ጎይታን ኢየሱስ ክርስቶስ ሸኽም ዘይስከም ኣብ ነጻነት ኣይበጽሕን ናጻ እውን ኣይኮውንን እንታይድኣ ናይ ካልእ ኃይልታት ግዙእን ባርያን ኮይኑ ኢዩ ዝተርፍ። ይሁዳ ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክሒዱ ከብቕዕ ተመሊሱ ግን ነቲ ግብረ ክሕደቱ ከኽሕስ ንኽልወጥ ሸበድበድ ይብል፣ ኮይኑ ግን ድሕሪ ምፍጻም ክሕደት ክወሃብ ኣብ ዝኽል ምሕረት ምእማን ግን ይሰኣኖ፣ እቲ ጣዕሳኡ ድማ ቀቢጸ ተስፋ ኮይኑ ይግለጽ፣ እንክብሉ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ተስፋ ምንባር ከምእተሰኣኖን ናብ ደልሃመት የምርሕን ፍጻሜኡ ድማ ርእሰ-ዕንወት ይኸውን፣ ርእሰ-ዕንወት ግን እቲ ርግጸይናነት ተስፋ እውነተይና ምንሳሕንን ጣዕሳ ኣብ ውሽጡ ዝሓዘለ ማለት ከምዘይኮ፣ ርግጸይና ተስፋ ኣብቲ ልዑል ኃይልን ብርሃንን ኣብ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋ ለቢሱ ካብ ዝብል ጽኑዕ እምነት ዝምንጭ ኢዩ።

ኣብ ራብዓይ ምዕራፍ ብዛዕባ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ታሪኽ ኣብ ጌተሰማንየን ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ከይዲ ቤት ፍርድን ውሳኔኡን፣ ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ፣ ኣብ መንጎ ጶላጦስን ኢይሱስን ዝግበር ናይ ሕቶን መልስን ኣዚ ድማ ንስኻዶ ንጉሥ ኢኻ? ንጉሥ ምዃነይ ንስኻ እኳ ትብል እሎኻ፣ እውነት/ሓቂ ንኽምስክር እየ ዝተወለድኩን ናብ ዓለም ዝመጻእኩን፣ ንዝብል ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መልሲ ኣደጊፉ ጲላጦስ ሓቂ እንታይ ኢዩ እንክብል ዘቕረቦ ሕቶ ናይ ሥነ ቲዮሎጊያ ሊቅ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ከም ሕቶ ብምቕራብን ብዙሕ ጊዜ ሓቂ ምእንቲ ረብሓን ንጥቕማጥቕምታትን ብምስዋእ ዝፍጸም ተግባር ዓፈና ሓቂ ብምትንታን፣ ሓቂ ምእንቲ ምርግጋጽ ማኅበራዊ ሰላም ንምስዋዕ ካብ ፍትኂ ሰላም ተመሪጹን ይብልጽ እውን ብዝብል ኣመለኻኽታ መሠረት ተጋሂሱ፣ ምእንቲ ማኅበራዊ ሰላም ምርግጋጽ ሓቂ ምዕፋንን ምግሃስን ሰላም ዘይኮነስ ሁከት ኢዩ ዝዳጉን፣ ነዚ ድማ ታሪኽ ምስክርና። ብዘይ ሓቂ ስላም ከምዘየለ ድማ ተንቲኖም ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ሕማማትን ስቕለትን ካብ ሞት ትንሣኤን እዚ ድማ ናብ ሰማይ ዓረጉ ኣብ የማን ኣቡኡ ተቐመጠ ኣብ መወዳእታ ድማ ከም ብሓድሽ ብዓቢ ዝናን ክብርን ክመጽእ ኢዩ ምስ ዝብል ተኣምኖ ብምትሕሕዝ ብዘቕርብዎ ትንታኔ እትፍጸም መጽሓፍ ምዃና ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.