2011-03-03 15:15:57

ብፁዕ ካርዲናል ኮች፦ ምርግጋጽ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ሓባራዊ ብድሆ ኢዩ


ኣብ ፈረንሳ ርእሰ ከተማ ፓሪስ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ርክብ ዝሓሊ ዓለም ሓቆፍ ኮሚቴ ማኅበርሰብ ኣይሁድን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ርክብ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምስ RealAudioMP3 ኣይሁድ ሃይማኖት ዝግበር ርክብ ዝከታተል ድርገት ብሓባር ዘነቓቕሕዎ መበል 21 ርክብ ምጅማር መበል 40 ናይ ሓባር ርክብ ንምዝካር ኣሚቱ ኣብ ተቛም ደስ ቤርናርዲንስ ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚሩ ከካይዶ ዝቐነየ ናይ ሓባር ጉባኤ ትማሊ ከምዝፈጸም ክንገር እንከሎ፣ ናይ ክርስትያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ምስ ኣይሁድ ሃይማኖት ዝግበር ርክብ ዝሓሊ ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮች ኣይሁድን ማኅበረ ክርስትያንን ኣብ ዓለም ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበርን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሑስ ኽከውን ሓይሎምን ድምጾም ከተሓባብሩ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ምጅማር ናይ ሓባር ርክብ ኣይሁድን ማኅበረ ክርስትያንን ናይ ሓባር ዘተ መበል ኣርብዓ ዓመት ብምዝካር ብዛዕባ እቲ ዝተገብረ ዓርብዓ ዓመት ዝዕድሚኡ ናይ ሓባር ዘተ ኣስተንትኖን ንመጻኢ ክኽተሎ ዘለዎ መገዲ ዝውጥን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ብፁዓን ካርዲናላትን ዓበይቲ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት መምሃራን ብጠቕላላ 70 ተግባእያን ዘሳተፈ ጉባኤ ከምዝነበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት እንከመልክት፣ ኣብቲ መኽፈቲ ጉባኤ ናይ ፈረንሳ ዓቢይ መምህር ጊለስ በንሃይምን ኣብ ፈረንሳይ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ተቛማት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ሪቻርድ ፕራስኵየርን ነቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ምስ ኣይሁድ ሃይማኖት ዝግበር ርክብ ዝሓሊ ድርገት ዝሓቁፍ ናይ ክርስትያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮችን ኣብ ፈረንሳ ናይ ፓሪስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል እንድረ ቪንግት ትሮይስ ዘረባ ከም ዘስምዑ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ፣ ብፁዕ ካርዲናል ኮች ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ናይ ኣርብዓ ዓመት ናይ ሃባር ርክብ ገምጋም ብምቕራብ፣ እቲ ናይ ሃባር ርክብ ዓቢይ ተኣምር ህያብ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ ቢሎም፣ ዝኾነ ይዅን ጸረ ክርስትያን ጸረ ሴማዊ ዓመጽ ኣብዚ እዋን ዝርኤ ጸረ ክርስትያን ዓመጽን ስደትን ክውገድን ማኅበርሰብ ኣይሁድን ክርስትያንን ብሓባር ክዓዩን ፍትሕን ምትሕብባርን ዕርቅን ሰላምን ኣብ ዓለም ክሰፍሕ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ወሳኒ ኢዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ይሕብር።

ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ምስ ኣይሁድ ሃይማኖት እተካይዶ ናይ ሓባር ዘተ ቅዋመ ናይ ክርስትና መለለዪ ምዃኑ ኣረዲኦም ኣብ ዓለም እናስፈሔ ዝኸይድ ዘሎ ምግሃስ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክውገድ ካቶሊክን ኣይሁድን ብሓባር ክዓያ ዝተጸውዓ ምዃነን ከምዘመልከቱ ኣውን ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.