2011-03-03 14:27:34

መግለጺ ቅዱስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም፣ ናይ ሃይማኖት ነጻነት


ኣብ ፓኪስታን ኣብ ልዕሊ ናይ ውሁዳን ክፍሊ ማኅበረሰብ ጉዳይ ዝከታተል ሚኒስትር ሻባዝ ብሃቲ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ብሓቂ ዘስካሕክሕ ተግባረ ዓመጽ ዝገልጽን ቅዱስ ኣቦና RealAudioMP3 ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብተደጋጋሚ ኣጽኒዖም ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ማኅበረ ክርስትያን ዝፍጸም ዓመጽን ብሓፈሻኡ ኣብ ዓለም እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ምግሃስ ክውገድ ዘቕርብዎ ጸዋዕታ ኣብ ሓቂ ዝተመርኰዘ ከምዝኾነ ዘነጽር ተግባር ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ትማሊ ብዛዕባ መቕተልቲ ሚኒስትር ሻባዝ ብሃቲ ዝምልከት ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ ገሊጾም፣ ኣተሓሒዞም ነፍሰኄር ሚኒስትር ብሃቲ ኣብ መንግሥቲ ፓኪስታን ንፈለማ ግዜ ንዝለዓለ ናይ መንግሥቲ ሓላፍነት ዝተረከቡ ካቶሊክ ምእመናን ቀዳማይን ምዃኖም ዘኪሮም፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መስከረም ኣብ ቫቲካን ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣቀባብላ ተገይርሎም ብዛዕባ ሓላፍነቶምን ኣብ ፓኪስታን ሰላም ንምርግጋጽን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምእመናን ሰላማዊ ማኅበራዊ ናብራን ክውን ክኸውን ኣብ ዝግበር ጎስጓስ ተጸሚዶም ይዓዩ ከምዘለዉን እዚ ድማ ቀዳማይ ናይ ተልእኾኦም ኃላፊነት ምዃኑ ንቕዱስነቶም ኣመልኪቶም ከምዝነበሩ ኣባ ሎምባርዲ ዘኪሮም፣ ምእንቲ እቶም ናይ ዓመጽን ጽልእን ኣደዳ ዝኾኑ ክጽለን ነቶም ነዚ ዓይነት ዘስካሕክሕ ዓመጽ ተሓተትን ኩሉ ዓይነት ዓመጽን ኮኒኖም ኵላዊት ቤተ ክርስትያንን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ፓኪስታን ነቲ ናይ ጽልእን ዓመጽን ተቓሊዑ ዝርከብ ማኅበረ ክርስትያን ቀረባ ምዃኖም ገሊጾም፣ ማኅበርሰብ ዓለምን መንግሥታትን ኣብ ዓለም ንምክልኻል ናይ ሓይማኖት ነጻነትን ኣቶም ንዓመጽን ስደትን መከራን ተቓሊዖም ዝርከቡ ማኅበረ ክርስትያን መሰልን ፍቓድን ውሑስ ኣብ ምግባር ክዓዪ ናይ ሓደራ ጻውዒት ብምቕራብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.