2011-03-03 16:48:59

ሓርነት ብፍቅሪ እምበር ብጎነጽን ዓመጽን ኣይርከብን


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ናይ ትማሊ ሶሙናዊ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ‘ደቂ ሰባት ዝምነይዎ ዕላማ ሓርነት ብምልኣት ዝረጋገጸሉ ኣብ ኣምላኽ ጥራይ እምበር ከምዚ ሎሚ ዝግበር ዘሎ ብዓጎነጽን ብዓመጽን ደሊኻ ኣይርከብን።’ እንክብሉ ብዛዕባ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ በዓል ሳለስ ዝሃብዎ ሰፍሕ ትምህርቲ ደምደሙ።

ልዕሊ ሸውዓተ ሺሕ ዝኾኑ ነጋድያንን ምእመናን ካብ ዝተፈላለየ ክፍላተ ዓለም ኣብ ዝተአከቡሉ ኣደራሽ ጳውሎስ መኽፈቲ ጸሎት ምስ ኣዕረጉ ካብ ሐዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፈውሶን ዝጸሓፋ መልእኽቲ 4፣32 ‘ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩም ከኣ ነንሓድሕድኩም ርኅሩሓት ኩኑ፣ ተዳናገጹ፡ ይቕረ ተባሃሀሉ።’ ዝብል ተነበ።

ቀጺሎም ቅዱስነቶም ኣብቲ ብዛዕባ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ በዓል ሳለስ ዝሃብዎ ኣስተምህሮ፣ ቅድስናን ፍጽምናን ናይ ባሕታውያንን ገዳማውያንን ጥራሕ ዘይኮነ ኩሉ ምእመን ክበጽሖ ከምዝኽእል ኣብ ናይ ዘመንና ክርስትና ሰሪጹ እኳ እንተረኸብናዮ እቲ ሓሳብ ግን ቅድሚ 400 ዓመት በቲ ዝተዋህቦ ጸጋን ዓሚቍ መንፈሳውነትን ተደፊኡ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዝመሃሮ ከምዝኾነ፣ ኣብቲ ዘመን እቲ ካብ እግዚአብሔር እንታይ ክትጽበ ይግባእ ዝብል ብርቱዕ ክትዕ ነበረ፣ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ወዲ ዕሥራ ዓመት መንእሰይ ክነሱ ድሕሪ ብዙሕ ጸሎትን ኣስተንትኖን ሐርነት ኣብ ፍቅሪ እግዚአብሔር እያ እትርከብ፣ እዛ ፍቅሪ እዚኣ ከኣ ብዘይ ምንም መለሳ ብነጻ እያ እትወሃበና፣ ክብል መለሰ። ቤተ ክርስትያን ነዚ ዓቢይ ሊቅን ቅዱስን ምስቶም ኣብ መንጎ መበል 15 ን 16 ክፍለዘመን ዝነበሩ ትጽብጽቦ።

ስለዝኾነ ኸኣ ይብሉ ቅዱስነቶም

ኣብቲ ግዜ እቲ ሕይወቱን ትምህርቱን ኣብ ምሉእ ኤውሮጳ ዓቢ ጽልዋ ኣሕደረ። ቅዱስ ፍራንቸስኮስ በዓል ሳለስ ሐዋርያ ሰባኺ ደራሲ መጻሕፍቲ ናይ ሥራሕን ጸሎትን ሰብ ነበረ፣ ናይ ጉባኤ ትረንቶ ዕላማታት ኣብ ግብሪ ከውዕል ብምሉእ ኃይሉ ሠርሐ፣ ምስ ከንሻ ኣብ ክትዕን ዘተን ብምጽንባር ረቂቅ ንባበ መለኮታዊ ሓሳባት እናቅረበ የረድኦም ነበረ፣ ሐዋርያ ሰላምን ዕርቅን ብምዃን ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኤውሮጳ ኣገልገለ። እግዚአብሔር ናይ ልቢ ሰብ ኣምላኽ እዩ፣ እንክብል ኣብቲ ዘመን እቲ ከም ሡር ነቀል ለውጢ ዝኾነ ንኩሎም ምእመናን ኣብ ዓለም እናነበርካ ፍጹምን ቅዱስን ክትከውን ይከአል ኢዩ፣ ፍጹማንን ቅዱሳንን ኩኑ ዝብል ቃል ኣምላኽ ብምስባኽ ነቲ ድሕሪ 400 ዓመታት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘቅረቦ ዕድመ ቅድስናን ፍጽምናን ኣወጀ። ወዲሰብ ፍጽምና ፍጥረት ኢዩ፣ መንፈስ ፍጽምና ወዲሰብ ኢዩ፣ ፍቅሪ ፍጽምና መንፈስ እያ፣ ርኅራኄ ከኣ ፍጽምና ፍቅሪ እያ’ እንክብል ፍቅሪ ምኽንያት ፍጥረትን ኅልውናን ናይ ኩሉ ነገራት ስለዝኾነት ንፍጽምና ከኣ ምንጫን ሐላዊታን ምዃና ንውሉድ ወለዶ ዝኸውን ትምህርቲ ገዲፉ።

ዓበይቲ ቅዱሳን ከም በዓል ቅድስቲ ፍራንቸስካ በዓልቲ ሻንታል ቅድስት ተረዛ በዓል ለዚዩ ነዚ ብምኽታል ‘ንኩሉ ስለ ፍቅሪ እምበር ተገዲድካ ዘይምግባር ንተአዝዞ ካብ ምፍርሁ ምፍቃሩ ከምዝበልጽ በዚ ከኣ ምሉእ ሐርነት ከምዝርከብ እዚ ሐርነት እዚ ግን እቲ ንተአዝዞ ዝነጽግ ናይ ዓለም ሐርነት ዘይኮነስ ንዓመጽን ሻቅሎትን ዕንቅፋትን ዝኣሊ ኢዩ’ ኣብዚ ንሐርነት ብዓመጽን ቅርሕንትን እንደልየሉ ዘመንና ሐራ ከውጽአና ዝኽእል መንፈስን ትምህርትን ናይዚ ዓቢ ቅዱስን ሊቅን ቤተ ክርስትያን ኢዩ፣ ንሱ ከኣ ንባዕሉ ጭቡጥ ምስክርነት ይህብ፣ ድሕሪ ብርቱዕ ገድልን ጸሎትን ኣስተንትኖን ዝበጽሖ ፍጽምና እንክግልጽ ፣ወዲ ሰብ ኣብቲ ዕመቍ ተፈጥሮኡ ናፍቆት እግዚአብሔር ተጻሒፉ ኣሎ፣ ሓቀና ሐጐስን ፍጽምናን ከኣ ካባኡ ጥራሕ ኢዩ ክረኽቦ ዝኽእል’ እንክብል ንደቁ መንፈስ ሐርነት ኣረኪብዎም። ብማለት ትምህርቶም ምስ ዛዘሙ ንተጋባእቲ ብዝተፈላለየ ቋንቋ ኣስተምህሮን ሰላምታን ኣቅረቡ፣ ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከኣ ኣሰናበትዎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.