2011-03-01 15:31:47

ምሥጢርን እንታይነትን ቅድስናን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ


ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዝኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 1 ግንቦት 2011 ዓ.ም. ብጽእን ኣክእወጀሎም ምዃኑ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ውሳኔ ከምዘመልክቶ ክፍለጥ እንከሎ፣ ዕለት 27 ለካቲት 2011 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ረጂና ኣፖስቶሎሩም መንበረ ጥበብ ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ RealAudioMP3 ሥነ መንፈሳዊ ማእከል ዘነቓቐሖ ብዛዕባ ብፅዕና ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘተኮረ ዓወደ መጽናዕቲ ከምእተኻየደ ተሓቢሩ።

ናይቲ ዓወደ መጽናዕቲ መሪሕ ቃል፣ ምሥጢርን እንታይነትን ቅድስትና ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝብል ክኸውን እንከሎ፣ ኣብዚ መሪሕ ቃል ዝተደገፈ ኣስተምህሮ ዘቕረቡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብፅዕናን ቅድስናን ብወግዒ ብእንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ክእወጅ መሠረተ ሓሳብ ዘቕርብ ኣካል ተጸዋዒ ብጹዕ ኣቡነ ስላዎሚር ኦደር ብዛዕባ እቲ ዓቢይ ዕለት ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ዝብል መጸውዒ ዝተውሃቦ ኣብ መላእ ዓለም ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ በዓል ምዃኑ ሓቢሮም። ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ልቢ ሕዝቢ ዓለም ዝሰረጹን ኣብ ዓለም ኣወንታዊ ለውጢ ዘነቓቕሑን፣ ተፈታውን ጸላይን መንፈሳውነቶም ንዅሉ ኣማንን ኢኣማንን ዝማርኽን እዚ ድማ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ጸላይ ሰብ ንዝብል ትኽክለይና መጸውዒ ብትኽክል ዝበቕዑን ብዙሓት በዚ ብበዓል ቤት ስም ክልለዩ ገይሮም ኢዮም። ፍቓድ እግዚኣብሔር ድማ ኢዩ።

ብኣባታዊ ፍቕሮምን ሓልዮቶምን ኣብ ናይ ኵሉ ልብን ቤትን ዝኣተዉን፣ ብቓልን ሕይወትን ቃል ኣግዚኣብሔር ዝመስከሩን ካብዚ ዓለም ብሞት ምስተፈለዩ ብዙሕ ከይተጸንሔ ኣብ ዝተፈላለዩ ኵርናዓት ዓለም ብስሞም ዝተፈላለያ ናይ ጸሎት ማኅበራት ከምዝቖማን ዘኪሮም፣ ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ መንፈሳውነቶም ሊቅነቶም ኣብ ግምት ኣእቲኻ ብሓቂ ክትንትኖንም ክትገልጾም ዘጸግም ኢዩ። ሕይወቶም ጸላይን ናይ እዚኣብሔር ሰብን ቅንዕናን ግልጽነት ዝዓሰሎ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ተኻትሊ ቅዱስ ጴጥሮስን፣ ናይ ክርስቶስ ልኡኽነት ብዝብሉ ኣድማሳት ዝግለጽ ኢዩ። ስለዚህ እዚ ዅሉ ዓሚዩቕ ታሪኽ ሕይወቶም ኣብ ግምት ኣእቲኻ ሕጽር ብዝበለ መልክዕ ክትገልጾም ኣሸጋሪ ኢዩ። ብኽርስቶስ ከምእተፈቐሩ ተኣሚኖም ንኽሉ ካብዚ ፍቕሪ ብዝምንጭ ሓይሊ ዘፍቀሩን ናይ ተልእኾኦምን ሕይወቶምን መሠረት ነዚ ፍቕሪ’ዚ ዝገበሩ፣ ምዃኖም ሓቢሮም፣ ቤተ ክርስትያን ብፅዕና ክትእውጀሎም ጸጋ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.