2011-02-28 09:56:09

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.፦ ኅልው ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝሓለፍፈ ሓሙስ ዕለት 24 ለካቲት 2011 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ኣብ ሊባኖስ ናይ ኣንጽዮኪያ ማሮናዊ ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል ናስራላህ ፒየር ስፈይር ኣብ ዝተረኽብሉ ንናይ ሊባኖስ ርእሰ ብሔር ሚሸል ስለይማን ተቐቢሎም ከምዘዛራረቡ RealAudioMP3 ክንገር ኣንከሎ፣ ቀጺሎም ቅዱስነቶም ቅድሚ ትማሊ ነቶም ነቲ ኣብ ደጋዊ ክፍሊ ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝርከብ ከብሒ ዝቕመጥ ንእሽቶይ ናይ ቅዱስ ማሮነ ቅዱስ ሓወልቲ ዝመርሕዎ ሥነ ሥርዓተ ቡራኬ ዝተስተፉ ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል ናስራላህ ፒየር ስፈይር ትማሊ ተቐቢሎም ከምዘዛራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም መግለጺ ሓቢሩ።

ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል ናስራላህ ፒየር ስፈይር ካብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ተሰናበቱ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ብዛዕባ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ሊባኖስን ብጠቅላላ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ከምኡ ድማ እቲ ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝርኤ ዘሎ ለውጥታት መሠረት ዝርርብ ከምእተኻየደን፣ ቅዱስነቶም ድማ መሪሕ ቃል ከምዝለገሱን ሓቢሮም፣ እቲ ካብ ቱኒዚያ ዝተበገሰን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ ህዝቢ ዘንቅሎም ዘሎ ለውጥታት ዝወልዶም ሓደስቲ መንግሥታት፣ ብሓቂ ቅድም ቢልካ ክትፈልጦምን ክትገልጾም ዘይከኣል ኢዩ። ኣንፈቱ ምስቁል ኢዩ ዝመስል። እቶም ዝሓለፉ መንግሥታት ጸጋታት ሃገራቶም ብሒቶምን ናይ ሕዝብን ሃገርን ጥቅሚ ዘንጊዕምን ኣክንዲ ልዑላውነት ሕጊ ዘረጋገጹ ሥድራ ቤታዊ ምውርራስን ምትእስሳርን ዝኽተል ሥርዓት መንግሥቲ እናቖሙ ኣብ መንጎ ሕዝብን መንግሥትን ዓቢ ጋግ ብምፍጣሮምን እዚ ድማ ናይተን ሃገራት መንእሰያት ብዝተፈላለየ መገዲ ለውጢ ክጠልቡ ደሪኽዎ ኢዩ። መንግሥታቶም ኣዚዮም ብናይ ውግእ ኣጽዋር ዝደለቡ ብምዃኖም እቲ ባህልን ፍልጠትን ዝተሓንገጠ መንእሰይ ወለዶ ብሓቂ ብዙሕ ፈተና ኣጋጢምዎን የጋጥሞ እውን እንተሃለዎ እውን ብሥነ ኣኃዝ ምዕባለ ዝተራቀ ሓዲስ ምዕባለ መራኸቢ ብዙሃንን መርበብ ሓበሬታን ተደጊፉ ዝጠልቦ ዘሎ ለውጢ ኢዩ። እዚ ድማ ኩሉ ከምዝፈልጦ ኣብ ቱኒዝያ ተባሪዑ ይቕጽል ኣሎ። እቶም ዝረጋገጹ ዘለዉ ሓደስቲ ለውጥታት ጉልባብ ዝገብሩ ናይ ሃይማኖት ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ከይተኣታተዉ ምጥንቃቕ የድሊ ኢሎም።

እቲ ለውጢ ተበጊሱ ኢዩ ንድሕሪት ክትምለስ ዝከኣል ኣይኮነን። እቶም መንሰያት ዓሌትን ሃይማኖትን ብዘየገድስ ንዅሉ ዜጋ ዝውክልን ልዑላውነት ሕጊ ዘረጋገጽ መንግሥቲ ከቐውም ይጽውዑ ኣለዉ። ከም ኣብነት የመን ከምኡ ድማ ሊቢያ ኣብ ዓሌት ዝተመሥረተ መንግሥታት ኢዩ ዘለውን፣ መንሰይ ወለዶ ግን ነዚ ዓይነት ኣረጊት ኣመለኻኽታ ሰጊርዎን ሃገር ኮነ ዓለም ቁሸት ኢያ ናይ ዝብል ኣመለኻኽታ ዜጋ ኮይኑ ኢዩ። ጠመተኡ ድማ ዝበለጸን ሓሳብካን ክትኾነ እትደልዮ ሰናይ ምንዮት እተስምረሉ ልዑላውነት ሕጊ ዝተረጋገጸላ ሃገር ንምሕናጽን ኣብ ኢፍትሓውነት ዝቖመ መንግሥቲ ክህሉ የብሉን ዝብል ኢዩ። ሥራሕ ዕለታዊ መግብን ግቡዕ መደብ ሕንጸትን ማዕርነት ክብርን፣ ነጻነትን መሰልን ፍቓድን ክረጋገጸሉ ኢዩ ዝሓተት። ናይ ተራ ዜጋ ክብሪ ሚዛን ክብሪ መንግሥቲ ኢዩ። ነዚ መሠረት ገይርና እቶም ሎሚ ዝናወጹ ዘለዎ ሥርዓት መንግሥታት እንተድኣ ርኢና ዋላ’ኳ ሃገራቶም ምዕባለ ዝተረጋገጸለን እውን እንተኾና ናይቲ ምዕባለ ተጠቃሚ ውሑዳትን ብምግባረ ብልሽውና ዝተጠቕዑ ብምዃኑ፣ ብዅሉ መዳይ ዝፈሸሉ ኢዮም። ስለዚህ ካብቲ ምዕባለ ዝተነጸለን ተጠቃሚ ከይኮነ ዝተረፈ ናይተን ሃገራት ሕዝቢ ክብሩ ክሕለወሉ ኢዩ ዝጽበ ዘሎ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.