2011-02-26 14:37:56

ብፁዕ ኣቡነ ካራስኮ ደ ፓውላ፦ ክብሪ ሕይወት ዘጥቅዕ ዓለም


ዕለት 24 ለካቲት 2011 ዓ.ም. ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ናይ ሲኖዶስ ኣዳራሽ ዝተጀመረ ጽንሲ ምንጻል ዘስዕቦ ስነ ኣዕምሮኣውን ኣካላውን ጸቕጥን ዝፈጥሮም ምልክታ ሕማማትን ብዛዕባ መቐመጢ/ባንኪ ቤት ዕትብቲ ርእሰ ጉዳይ ገይሩ ዝዘተየ ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቛም ዝጠለቦ ዓውደ መጽናዕቲ ሎሚ ዕለት 26 ለካቲት 2011 ዓ.ም. RealAudioMP3 ከምእተዛዘመ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜና ክፍሊ ማኅተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ነቲ መበል 17 ምልኣተ ጉባኤ ዘረባ ብምስማዕ ዘጀመሩ ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቛም ሊቀ መንበር ኮይኑም ብቕዱስ ኣቦና ተሾይሞም ተልእኾ ኣገልግሎቶም ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 30 ሰነ ብወግዒ ዝጀመሩ ብፁዕ ኣቡነ ኢግናሲዮ ካራስኮ ደ ፓውላ ንፈለማ ጊዜ ዝመርሕዎ ዓወደ መጽናዕቲ ምዃኑ ድማ ኣዘኻኺሮም፣ እዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ዝፈጥሮም ብድሆታትን እዚ ድማ ንሕይወት ዘጥቅዑ ልማዳትን መሠል ባህልታትን እዚዮም ይሰፍሑን ይቀላቐሉን ከምዘለዉ ሓቢሮም፣ እዚ ድማ እቲ ናይ ሕይወት ክቡር ዋጋ ዘቃልሕን ዝድግፍን ዝከላኸልን ኣካልን ብፍላይ ድማ እቲ ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቛም ወትሩ ንጹርን ዝረአይን መደባት ሓልዮ ሕይወት ከነቓቕሕን ኣብዚ ተልእኾ ወትሩ ተጊሁ ከይተሓለለ ከሕድሶ ዝድርኾ ኢዩ ከምዝበሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ ኣመልኪቱ።

ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቛም ብዛዕባ ሳዕቤናት ጽንሲ ምንጻልን ከምኡ እውን ብዛዕባ ባንኪ ቤት ዕትብቲ ፍሉዩ መጽናዕቲ ክገብሩ ዝተመዙ ክልተ ጉጅለ ሊቃውንቲ፣ ናይቲ ዘካይድዎ መጽናዕቲ ጸብጻብ ዝቕረበሉን ኣብቲ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ዝተደገፈ ዝርርብ ዝተግብረሉ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዝኾነ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ኣመልኪቱ። ብዛዕባ ጽንሲ ምንጻልን ዘኸትሎም ኣካላውን ሥነ ኣዕምሮኣውን ሕማማትን ጸቕጥን ኮታ ኵለ መዳያዊ ጠንቅታቱን ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ብዙሕ ዘይንገረሉን እዚ ድማ ንመጻኢ ንናይ ዓንዲ ኣካላዊ ዋኅዩ ፍወሳ ንዝብል ናይ ሥነ ሕክምና ምርምር ክብጽሑ ዝብሎም ትጽቢት ዝተነብረሉ ሸቶ ንምዕታር ዝድግፍ ከይዲ ሥነ

ምርምር ሕክምና ዝዘተየ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዝኾነን፣ ደም ዕትብትን መዳሕንትን ደም ዓንዲ (መዋቕራዊ) ኣካላዊ ዋኅዩ ዝሓዘለን እዚ ድማ ንዝተፈላለዩ ገና ምድሃኒት ንዘይተረኸበሎም ቀጻሊ-ሕማማት ንዝበሃሉ ንምፍዋስ ዝግበር ጻዕሪ ዓቢ ደገፍ ክኸውን ተስፋ ዝተነበርሉ ከምዝኾነን እዚ ግን ንመኽሰብ ዕዳጋ ንዝኣመተ ዕላማ መሳለጢ ከይከውን ዘሕድሮ ዘሎ ሥግኣት ዘግሃደ ዓወደ መጽናዕቲ ከምዝኾነ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ሓቢሩ።

ብዝተፈላለየ ዕላማ ባንኪ ቤት ዕትብቲ ዝድግፉ ኣለዉ። እዚ ድማ ብቐጥታ ምስ ሥነ ምግባር ዝተተሓዘ ሕቶ ከምዝኾነ እቲ ጉባኤ ኣነጺሩ፣ ነቲ ሎሚ ብዝተፈላለየ መገዲ መጥቃዕቲ ዝወርዶን ኣደዳ ናይ ዝተፈላለዩ ሥነ ሓሳብ ኮይኑ ዝርከብ ክቡር ሕይወት ምሉእ ክንክን ክግበርን፣ ክኽበርን ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቛም፣ ብዛዕባ ሰብ ዝግደስ ተቛም እውን ክበሃል ዝከኣል ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ካራስኮ ደ ፓውላ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ መኽፈቱ ዓውደ መጽናዕቲ ከምጽዘመልከቱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣመልኪቱ።

ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቛም ኣንቀጸ ሃይማኖትን ሥልጣናዊ ትምህረቲ ኵላዊት ቤተ ክርስትያንን ቅዱስ መጽሓፍን ትምህርቲ ኣበውን ትውፊትን ቲዮሎጊያን ፍልስፍናን መሠረት ገይሩ ሓልዮ ሕይወት ዘነቓቕሕን ብዛዕባ ሕይወት ብዝምልከት ዝብጻሕ ዘሎ ናይ ሥነ ምርምር ምዕባለ ኣብ ኣገልግሎት ሕይወት ክውዕል ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ምሁራት ዝሳተፍሉ ዓወደ መጽናዕትታትን ናይ ሓባር ዘተን ዘተባብዕ ከምዝኾነን፣ እቲ መበል 17 ዓወደ መጽናዕቲ ብፍላያ ኣዕምሮኣውን ኣካላውን ጠንቅታት ጽንሲ ምንጻል እዚ ድማ ኩነት ድኅረ ምንጻል ጽንሲ ዝምልከትን፣ ኣብ ግብረ ምንጻል ጽንሲ ዘተኮረ ዘይኮነስ ኣብ ሰብ ዝግደስ ኢዩ። እቲ ጽንሲ ናብ ምንጻል ምርጫ ዘዘንብል ሰብ ኣማእኪሉ ዝመያየጥ ኢዩ። እታ ጽንሲ ንምንጻል እተዘንብል ጓለኣንስተይትን ሥድራ ቤትን ነዚ ምርጫ እዚ ዝድርኾም ምኽንያት እንታይነቱን መንቀሊኡን መሠረቱን ዝተመልከተን፣ ውላድ ዘይብላ ሥድራ ብስነ ምርምር ሕክምና ዝተበጽሐ ሜላ ተጠቂምካ ውላድ ንምርካብ ዝግበር ቅድድም፣ ምክራይ ማሕጸንን ንግድ ዘርኢ ሰብን፣ ዝኣመሰሉን ንዝረኣዩ ጭቡጥ ናይ ሥነ ፍጥረት ሥነ ምርምር ሕክምና ተበጽሖታት መልሲ ንምሃብን ነዚ ጉዳይ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ መኻንነት ዘብራህርህን ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ሰነድ መምርሒ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ንምቕራብ ኢዩ። እቲ ሰነድ ዘሎ እውን እንተኾነ ዋላ’ኳ ቅዋም ነገሩ ዘይልወጥ እውን እንተኾነ፣ ነቲ ዝርኤ ዘሎ ምዕባለ ኣብ ግምት እናእተወ ምስኡ ዝስጉም ኮይኑ ነቲ ኅልው ኵነት ዝዛረብ ሓድስ ዘነድ ንምቕራብ ኣብ ሓሳብ ከምዘሎ ኣብቲ ዓወደ መጽናዕቲ ከምእተመልከተ ሎ ሶራቫቶረ ሮማኖ ሓቢሩ።

ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቋም ኣብ ኣገልግሎት ኅልውና ሰብን ኣናሥር ሕይወትን ዝኾነ ክርስቶስ ብዝተፈላለየ መገዲ ዘነጽርን፣ መገዲ ሕይወትን ሓቂ ሕይወትን መገድን ሓቅን ድማ ንሱ ምዃኑ ዝሕብርን ዝምስክርን ኢዩ እምበር ፖሊቲካዊ ክልሰ ሓሳብ ዘጉልሕ ከምዘይኮነ ብፁዕ ኣቡነ ካራስኮ ደ ፓውላ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘመልከቱ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.