2011-02-26 16:20:59

ሐፈሻዊ ሲኖዶስ ጳጳሳት፡


አብቲ ስዊትጸርላንድ ከተማ ጀነቭ ዝርከብ ተቅዋም ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዝቢ ብጹዕ አቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ አብቲ ትማሊ ቤት ምኽሪ መሰል ሰባት ሊብያ ብዚምልከት ዘካይዶ ጉባኤ ተረኺቦም ከም ዝነበሩ ተፈሊጡ አሎ ።

ብፁዕ አቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ ከም ዘመልከትዎ ፡ ቤት ምኽሪ ሰብአዊ መሰላት ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ነቲ አብ ሊብያ ዚካየድ ዘሎ ፖሊትካዊ ቅልውላው ዘተኮረ ጉባኤ አብ ዘካየደሉ ግዜ ሰራዊት ኮለነል ሙዓመር ጋዳፊ አብ ልዕሊ”ቲ ንመንግስቶም ብምቃውም አብ ቅርዓት ዝወጸ ህዝቢ ዝወስድዎ ዘለዉ ብረታዊ መጥቃዕቲ ኰኒኑ ።

ሊብያ ናይቲ ቤት ምኽሪ ሰብአዊ መሰላት አባል ከም ዝኾነት ክዝከር ከሎ፡ ካብቲ ቤት ምኽሪ ክትወጽእ ሕደ ኮሚስዮን ቆይሙ ኩነታት ምሰላ ሰባት ሊብያ ክድህስስ ሐሳብ ከም ዝቀረበ ክአ እቶም አብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ አብት ቤት ምኽሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ አቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ አገንዚቦም አለዉ ።

ቅድስቲ መንበር ብጠንቂ”ቲ አብ ሊብያ ዘሎ ፖልቲካዊ ቅልውላው ሕይወቶም ዝስአኑን ዝቆሰሉን ዝተበታተኑን ህዝብታት ጥልቂ ሐዘን ከም ዝተሰምዓ ክአ ብፁዕ አቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ ሐበሬታ ሂቦም ።

እቲ አብ ሊብያን አብ ካልኦት ሰሜናዊ አፍሪቃ ሀገራትን ተኸሲቱ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ሰላማዊ ፍታሕ ክርከበሉ ህዝቢ ካብ ሞትን ምዝንባልን ካብ ብርሰት ንብረትን ክድሕን ከም ትደልን ትጽዕርን ክአ አብቲ አብ ጀነቭ ዝርከብ ተቅዋም ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ አቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ አረዲኦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.