2011-02-25 14:59:27

ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ


ኣብ ሰነጋል ርእሰ ከተማ ዳካር ናይ መልእ ኣፍሪቃን መዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቀዋሚ ድርገት ሓፈሻዊ ጉባኤ ሎሚ ከምዝተጀመረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ናይቲ ብፁዓን ጳጵሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ናይ ታንዛኒያ ርእሰ ከተማ ዳር ኤል ሳላም ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ፖሊይካርፕ ፐንጎ በቶም ኣብዚ ናይ ሊቀ መንበርነት ተልእኾኦም ተሓባበርቲ ምኽትል ሊቀ መንበር ናይ ሰነጋል ርእሰ ከተማ ዳካር ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ተኦዶረ አድሪየን ሳራን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጋብሬል ቢሊንጂ ተሰንዮም እቲ ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ካብ ዕለት 4 ክሳብ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ናይ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ካልኣይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ ዘውጾኦ ናይ ሲኖዶስ ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣደጊፎም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝደረስዎ ምዕዳን ድኅረ ሲኖዶስ ንብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ ብወግዒ ንምርካብ ኣብ ቤኒን ወርሒ ኅዳር 2011 ዓ.ም. ዝፍጽምዎ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕን ኣብ ስፐይን ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2011 ዓ.ም. ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያትን ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረትን ብሓባር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ኅዳር ዝሓንጸጽዎ ናይ ሓባር መደብ ኣስፍሆተ ወንጌልን ኣማእኪሉ ክዝቲ ምዃኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.