2011-02-25 14:21:56

ብዘይ ናይ ነፍሲ ወከፍ ንስሓን ለውጥን ተሓድሶ ቤተ ክርስትያን ክግበር ኣይከኣልን


ቅ..ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ናይ ትማል ሮቡዕ ሶሙናዊ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ናይ መበል 16 ክፍለ ዘመን ሊቅ ቤተ ክርስትያን ኢየሱሳዊ ቅዱስ ሮበርት በላርሚን ዝበሎ ብምዝካር ‘ተሓድሶ ቤተ ክርስትያን ብዘይ ናይ ነፍሲ ወከፍ ንስሓን ለውጥን ክግበር ኣይከኣልን’ እንክብሉ መንነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንምግላጽን ተሓድሶ ብከመይ ከምዝፍጽመን ብጉስነት ብምምሕዳርን ብጸሎትን ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝገበረ ብሰፊሑ ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ቅድሚ ነዚ ኣስተምህሮ ምሃቦም እውን መሥራቲ ማሮናውያን ዝኾነ ንሲርያን ሊባኖስን ብአብነቱን ተኣምራቱን ናብ ክርስትና ዝመለሰ ካህንን ባሕታውን ቅዱስ ማሩን ምስሊ ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጴጥሮስ ምስቲ ነዛ ቤተ ክርስትያን ከቢቦም ዘሎው ሓውልታት ቅዱሳን ባሪኾም ጸንበሩ፣ ኣብቲ ኣጋጣሚ ናይ ሊባኖስ መራሒ መንግሥትን ምእመናን ማሮናውያንን ካልኦት ዓበይቲ ሰበ ሥልጣንን ነበሩ።

ብድሕሪ ቡራኬ ሓውልቲ ቅዱስ ማሩን ቅዱስነቶም ናብ ኣደራሽ ጳውሎስ 6ይ ብምኻድ መኽፈቲ ጸሎት ምስ ገበር ካብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ 2፣6 “እምብኣርስ ኣብ ማእከል እቶም እኹባት ጥበብ ንዛረብ ኢና፡ እቲ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ንኽብረትና ዘዳለዎ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሕቡእ ምስጢር ጥበብ ኢና እንዛረብ ዘሎና እምበር፡ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ወይስ ናይቶም ዚሐልፉ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይንዛረብን ኢና። ካብ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ሓደ እኳ ነዚ ጥበብዚ ኣይፈለጦን፡ እንተ ዚፈልጥዎስ፡ ንጐይታ ኽብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም።” ዚብል ምስ ተነበ ታሪኽ ሕይወት ቅዱስ ሮበርት በላርሚን ብሰፊሑ ገሊጾም።

ቅዱስ ሮበርት በላርሚን ብዕለት 4 ጥቅምቲ 1542 ተወሊዶም፣ብ1560 ኣባል ማኅበር ኢየሱሳውያን ኮይኖም 1570 መዓርገ ክህነት ተቀበሉ፣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሉቨይንን ኮለጅዮ ሮማኖን ከም መምህር ኣገልገሉ፣ ካብቲ ብዙሕ ጽሑፋቶም ኮትሮቨርስየ ዝብል ጽሑፎም ኣብቲ ግዜቲ ተኸሲቱ ንዝነበረ ምንቅስቃስ ከንሻ ንጹር መልሲ ዝሃበ ከማኡ እውን ንኩሉ መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዘነጸረ ትምህርተ ክርስቶስ ይርከብዎም።

ካብ1588 ክሳብ 1594 ኣበ ነፍስ ሮማዊ ኮለጅ ብምዃን ብዙሓት ሊቃውንቲ ፈረዩ፣ ቅዱስ ልዊጂ ጎንዛጋ ሃደ ካብኦም ኢዩ፣ ብድሕሪዚ ብር.ሊ.ጳ ቀለመንጦስ 8ይ ካርዲናል ተሸሞም ሊቀ ጳጳስ ናይ ካፕዋ ኮይኖም ንሰለስተ ዓመት ምስ ኣገልገሉ ኣብ ቅድስት መንበር ንክሰርሑ ንሮማ ተጸውዑ።

ቅዱስ ሮበርት በላርሚን ብጽሑፋቶም ብቃላቶም ብዙሕ መሃሩ፣ ብዙሕ ስብከታት፣ ኣስተምህሮታት ደረሱ። ምሥጢር እምነት ብቀሊል መንገዲ እንክገልጹ ‘ጥበብ እንተሎካ ንክብሪ ኣምላኽን ንዘለዓለማዊ ድሕነትካን ከምዝተፈጠርካ ተረዳእ፣ መወዳእታኻን ሕመረት ነፍስካን መዝገብ ልብኻን እዚ ኢዩ፣ኩሉ እትገብሮ ናብዚ ዝዓለመ እንተኾነ ሠናይ እዩ፣’ እንክብል ዝመሃሮ እቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገልጸ ኣቦ ምንጭናን መዕለቢናን ምዃኑ የገንዝበና፣ ብእግዚአብሔር ክንኣምን ኣባኡ ክንምዕቈብ ብእምነትን ጸሎትን ንዝኾነ ናይ ሕይወትና ኩነት ክንቅበልን ምሳኡ ክንወሃሃድን ይዕድመና። እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.