2011-02-22 11:48:24

፬ ዘአስተርእዮ


መዝሙር፦ ተበሃሉ ጻድቃን

ንባባት፡ ዕብ. 12፡12-22፥ 2ጴጥ.1፡19-ፍ፥ ግ.ሓ.7፡29-32፥ ማር. 7፡24-30

ስብከት፡ “እግዚአብሔር ስቡሕ በምክረ ቅዱሳን፥ ዓቢይ ወግሩም ዲበ ኩሎሙ እለ ይዓውዱ፥ እግዚኦ አምላከ ኃያላን መኑ ከማከ።”

መዝሙር፡ ጻድቃን አብ ነነድሕዶም ነቲ ጻድቕ ዝረአዮ ዘሎ እናበሉ ተሓተቱ፥ ኢሳያስ ንልዑል ርእየዮ በለ፥ ርእይዎ ግን ክሓቶ አይከአለን፥ ሙሴ እውን ብዓምዲ ደመና ዝረአዮ ርእዩ ግን ክሓቶ አይከአለን። ማርያም እውን አብ ከርሳ ዝጾሮቶ ንልዑል ርአኽዎ በለት ርአየቶ ክትሓቶ እውን ክኢላ። ዮሓንስ አብ ሩባ ዮርዳኖስ ዘጠመቖ ርእዩ ግን ክሓቶ አይከአለን፥ አሕዋተይ ብሓጎስ ብዓልና ንግበር ምኽንያቱ እቲ ዘይርአ ተራእዩ፥ ክርስቶስ ፀሓይ ጽድቂ ተገሊጹ።”

ምስጢር አምላኽ ክንርኢ ንአና ተዋሂቡ ይብል ቅዱስ ዮውሓንስ። ተኻፈልቲ ምስጢሩ ገሩና። ክርስቶስ ከማና ሰብ ኮይኑ ባሕርይና ምስ ለበሰ ሽዑ ንሕና አብ ግርማ አምላኽ ተሳተፍቲ ክነከውን ክኢልና። አብ ጥንቲ ንምስጢሩን እንታይነቱ ክርእዩ ዘይክእሉ ዝነበሩ ንሕና ሥጋኡን ደሙን ከምኡ ምስጢራት ክንቅበል ከሎና ምስኡ ውህደት ንፈጥር። ሰብ ብዓንተብኡ ክፍጠር እንከሎ ምስ አምላኽ ክነብር እዩ ተፈጢሩ። “ብአምሳልና ሰብ ንፍጠር” ክብሉ ከለዉ ስላሴ ሰብ አብቲ ናቶም ምስጢር ከአቱ ንአኦም ክመስል ስለ ዝደለዩ እዩ። ነዚ ፍሉይ ጸጋ ቀዳሞት ወለድና

አጥፊኦሞ፥ እንተኾነ ክርስቶስ አብ መንጎና ምስ ሓደረ ብልዑል መገዲ ርክብ ምስኡ ከፊቱልና።

ነዚ ዝኸፈተልና መገዲ ክነስተማቕርን ክንርዳእን እንተ ኾና ዕሞቕ ተፈጥሮና ተረዲእና አብ ጉዕዞ ሓቀኛ መገዲ ንጉዓዝ። ሎሚ ክርስቶስ ብሥጋኡን ደሙን ብምስጢራቱ ብማሕበር ቤተክርስትያኑ ብቃሉ አብ መንጎና አሎ፥ ንሕና ክንርእዮ ምስኡ ክንከውን ናታትና ተሳትፎ የድሊ። ስማዊ ተኸታል ክርስቶስ አባላቱ አይገብረናን እዩ።

ወንጌል ማርቆስ ንሎሚ ዘንበብናዮ ፍሉይ ትምህርቲ የቕርበልና፥ ኢየሱስ ደሕሪ ብፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ብዙሕ ሕቶታት ንእምነትን ሕጎምን ዝርኢ ምስቀረቦ መልሱ ድሕሪ ሂብዎም አብ ግዝአት አረማውያን ካብ ናይ አይሁድ ግዝአት ወጻኢ ከይዱ፥ካብቲ ህዝቢ ዕረፍቲ ክረክብ ኢሉ አብ ካልእ ቦታ ከይዱ። እንተኾነ ካብቲ ዝፈርሖ አይወጸን ብዙሕ ህዝቢ ስዒብዎ። አብ ከተማ ጢሮስ አብ ገምገም ሚዲተራንያን ባሕሪ አብ እትርከብ ከይዱ። ካብኡ ናብ ሲዶን ምስራቕ ካብ ገሊላ ናብተን ዓሰርተ ከተማታት ከይዱ። እዚኤን ኩለን አብኤን ዝነብሩ መብዝሕትኦም አረማውያን እዮም ነሮም። አብዘን ከተማታት ዝነብሩ ዝነበሩ ስለ አብኡ ዝአመኑን አብቲ ክገብሮ ዝኽእል

ተአምራት ስለ ዝአመኑን የገልግሎም ነሩ።

ጢሮስ ብጊዜ ኢየሱስ አብ ሲዶም እያ እትርከብ ነራ ደቡባዊ ክፍሊ ሊባኖስ ብቐደም ዘመን ፍኒቅያ ተባሂላ ትፍለጥ ነራ። ኢየሱስ ካብ ምስዳድ አይሁድ ክሃድምን ንሓዋርያቱ ብፍሉይ ከስተምህርን ስለ ዝደለ ነቲ ንጹሕ ዘይ ንጹሕ ዝብል ልምዲ አይሁድ ከምኡ ካብቲ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ዘከራኽሮ ዝነበር ክሃድም ኢሉ አብዚ ቦታ መጺኡ፥ ፍልይ ዝበለ ቦታ ክትመርጽ ከሎኻ አብ ቁምነገር ከምኡ ሓሳብካ ልብኻ ኩሉ አብቲ ቁምነገር ጥራሕ እዩ ዘቶክር። አብ ሕይወትና ንአምላኽ አብ ፍሉይ ቦታን ጊዜን ክንቅበሎ ክነዕልሎ ከሎና ፍሉይ ጸጋ ክንረክብ ንኽእል።

ካብ ናይ አይሁድ ነገራት እንተ ሃደመ ካብኦም ዝበዝሑ ህዝቢ ተቐቢሎሞ አረማዊት ሰበይቲ ጋኒን ንዝሓዛ ጓላ ከሕውየላ ተስፋ ብምግባር አብ ቅድሚኡ ተንበርኪኻ ክትልምኖ ጀሚራ። እዚአ ፊኒቃዊት ሰበይቲ ንበይኑ ምስ ሓዋርያቱ ከሎ እያ ረኺባቶ። ማቴዎስ ከንአናዊት ሰበይቲ ይብላ ጥንታዊ ስም አብ እስራኤል ዝቕመቱ ዝነበሩ ድሓር ብዕብራውያን ዝተሓድጉ እዮም።(ማቴ.15፡21~28)። እዚአ ሰበይቲ ንኹሎም ነቶም ብአይሁድ ዘይንጹሓት ተባሂሎም ዝፍለጡ ትውክል።

ኢየሱስ ብሰባት ክልለ አይደለየን ምኽንያቱ ተልእኮኡ ናብቶም ህዝበ እስራኤል ጥራሕ እዩ ነሩ፥ ሰባት ብዘይ እምነት ንኢየሱስ ከም ሓደ ተአምር ዝገብር ጥራሕ ገሮም ስለ ዝርእይዎ፥ እንተኾነ ንሱ ወሪኡ አብ ኩሉ ተወርዩ ነሩ ወላእኳ ክሕባእ እንተ ደለየ። አብ ውሱን ቦታ እንከሎ እምብአር እዚአ ሰበይቲ ግሪኻዊት ግን ብትውልዲ ሶሮፍኒቃዊትን ዝኾነት አብ እግሩ ተደፊአ ጓለይ ጋኒን ሒዝዋ አሎ እሞ አሕውየለይ ኢላ ለመነቶ። ማርቆስ ነዚ

ክገልጽ እንከሎ እንታይነታ ከርድእን ነቲ ክህቦ ዝደለ ምስጢሩ ክገልጽን ስለ ዝደለ እዩ እንታይነታ ዝነግረና። ማቴዎስ ፍልይ ብዝበለ ደድሕሪኦም እናኸደት ትልምን ከም ዝነበረት ሓዋርያት ከአ ነዛ እትጭርሕ ዘላ ከልቢ እንዶ አፋንወልና ክብልዎ ንሰምዕ። ኢየሱስ አብቲ ዝለመነቶ ዝሃባ መልሲ ዘሰንብድ እዩ ነሩ “እንገራ ውሉድ አልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ጽቡቕ አይኮነን እሞ ኅደጊ ቅድም እቶም ውሉድ ይጽገቡ” በላ። ክልተ ጊዜ ከልቢ ይብላ 1. በቲ አብ ቅድሚኡ ተምበርኪኻ ዝለመነቶ ማለት አብ እግሪ አይሁዳዊ ወዲቓ ብምልማና፥ 2. ጓላ ካብ ጋኒን ክትሓዊ ብቓላ ብምሕታታ። ብዝኾነ እዚአ ሰበይቲ አብ ኢየሱስ እምነት ነርዋ። አብ ኢየሱስ ክትቀርብ መጀመርያ እምነት የድልየካ። አብዚ ከምቲ አብ ስድራታት መጀመርያ መግቢ ንቆልዑት ይውሃብ ተረፎም ከአ ነኽላባት ይውሃብ ንዝብል ባህላዊ ስርዓት ከረድእ ኢሉ እዩ።

ከምኡ ቀዳምነት ተልእኮኡ አብ አይሁድ ከም ዝኾነ ይሕብር። እዚ ኹሉ ዝበላ ክትሓድጎ ኢሉ እዩ። እዚ አብ ሓዋርያነት ቅ. ጳውሎስ እውን ንርእዮ። ንሱ መጀመርያ አብ ዝአተዋ ዓዲ አብ ናይ አይሁድ ቤተ መቕደስ ይኸይድ አብኡ ይጽልን ይሰብኽን ካብኡ ናብ ካልኦት ይኸይድ ነሩ።

አይሁድን አስላምን ነኽላባት ከም ዘይንጹሓት እንስሳ ይሓስብዎም፥(ነጅስ) ይብልዎም። ዘይንጹሓት ዘብሎም ዝኾነ ከይፈንፈኑ ስለ ዝበልዑ ልዕሊ ኹሉ ሓሳሙ ስለ ዝበልዑ እዩ። አይሁድ ነዚ አኽላባት ዝብል ንአረማውያና እውን ይብልዎም ምኽንያቱ ኸአ በቲ ንሶም ዝበልዕዎ። እዚአ ሰበይቲ እዚ ርድኢት ዝነበራ አይትመስልን። ኢየሱስ ወላእኳ ገሊጹ ይዛረባ እምበር እታ ሰበይቲ ብትሑት ድምጺ ድለታ ገሊጻትሉ። ንሳልሳይ ጊዜ እናለመነት ጎይታይ አኽላባት እውን ካብ ጎይቶቶም ካብ ቆልዑት ዝወደቐ ተረፍ ይበልዑ እዮም በለቶ። ብኻልእ አዘራርባ አኽላባት እውን ዋናታቶም ክሳብ ዝጸግቡ አይጽበዩን እዮም ርፍራፍ ይኹን እምበር ብሓደ እዋን ይበልዑ እዮም።

ብኻልእ አዘራርባ አብ መአዲ ክቕረብ አይደልን እየ ተረፍ ይአኽለኒ ኢላቶ። አነ ዝደሊ ከምቲ አኽላበት በቲ ሓደ ቆልዓ ዝውሃቦ ርፍራፍ እንተ ተወሃብኩ ይአኽለኒ እዩ። ተረፍ ጥራሕ እየ ዝደሊ። ጓላ ከሕውየላ እያ እትልምኖ ዘላ። እዚ እትሓቶ ርፍራፍ እንተ ደአ ኮይኑ እቲ ምሳሕ ከመይ ዝበለ እዩ ማለት እዩ። ኢየሱስ መአዲ ቅዱስ ቍርባን መጀመርያ ነይሁድ ድሕሪኡ ግን ንአረማውያን እዩ ሂቡ። እዚአ ሰበይቲ እትደልዮ፥ ክትጽበ አይትደልን፥ ምሉእ ምሳሕ አይደልን ርፍራፍ ይአኽለኒ ኢላ ትሓትት ኢየሱስ ከአ ዝሓተተቶ ርፍራፍ ይህባ። እቲ ዓቢ እምነታ መልሲ ረኺባ ጓላ ሓውያትላ።

ንአምላኽ ቀጺልና ክንልምኖ ይግባእ።

አብዚ ታሪኽ ዓሚቕ ትምህርቲ አልኦ። አብ ጊዜ ጽንኩር እዋን ባዕልኻ ዝፈጠርካዮ ጉድለት ወይ ሰባት ዘውረዱላክ ጸገም ከምኡ እውን አብ ገለ እዋን ሕብረተሰብ ዘውረደልካ ጸግም ክትሓልፍ እንተኾንካ መጀመርያ መአዝንካ ከየጥፋእካ እንተ ተጎዓዝካ አምላኽ ይሕግዘካ እዩ። እዚአ ሰበይቲ ቀዳምነት ሂባ እትሓቶ ምሕዋይ ናይ ጓላ እዩ። ከልቢ ኢኺ አይግብአክን እዩ ናትና አይኮንክን ሕደግኒ አይትተንክፍኒ እናበላ እንከሎ ነቲ ንሳ እትደልዮ ቀጺላ ሓቲታ መአዝና ከየጥፍአት ስለ ዝሓተተት ተዓዊታ። ንዝኾነ ዘሎና ጸገም መልሲ ካብ አምላኽ ክሳብ እንረኽበሉ ብቐጻሊ ክንልምን ይግብአና።

ንኹሉ ብሓደ ዓይኒ ርኢኻ ምኽአል።

አብዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ ነዚአ ፊኒቃዊት ሰበይቲ አብ ዝሃባ መልሲ አብ መጀመርያ ብአአ ዘይግደስ ኮይኑ ንረኽቦ እዚ ኸአ ካብ ተልእኮኡ ወጻኢ ስለ ዝነበረት እዩ። ንሱ ናብተን ዝጠፍአ አባግዕ እስራኤል እዩ ተላኢኹ፥ ንአረማውያንን ካልኦትን ዝተልእኩ ሓዋርያቱ እዮም። አብ ግ.ሓ. ብሓፈሻ እንተ አንበብና እዚ ጸገም ነርዎም ድሓር እዮም ተረዲኦሞ። አብ ቅድሚ አምላኽ ኩልና ሓደ ኢና ሓደ ዝልዓለ ሓደ ዝተሓተ አይኮናን። አብ ዕለታዊ ሕይወትና እዚ ናይ ወገን ሕማም ንሰባት የጥቅዓና እዩ፥ ሓወይ ወዲ ዓደይ ወገነይ፥ ጸሊም ጻዕዳ፥ አፍሪቃዊ ኤስያዊ እናበልና አብ መንጎ ሰባት እንፈጥሮ አምላኽ ዘይደልዮ ሕማም እዩ። ንፍልልይ አሊና ደቂ ሓደ ክርስቶስ ክንከውን ከሎና ጥራሕ ኢና እሙናት ተኸተልቲ ክርስቶስ ክንብሃል እንኽእል። ናይ አምላኽ ፍቕርን ምሕረትን ዝተነፍጎ ሰብ የለን ብእምነት እንተለምና መን ኢና አበሎና ብዘየገድስ ይሰምዓና እዩ። አብ ትንቢት ኢሳያስ አብ ምዕ. 56 ዘሎ እንተረኣና ንኹልና ደቂ ሰብ አምላኽ ከም ዘፍቅርን ዝሓልን ነንብብ። ብጥምቀት ፍሉይ ግንዖት ተዋሂቡና ንሱ ኸአ አብ ፍቕሪ አምላክ ክንሕወስ ዕድል ተኸፊቱልና። እዚ ክብሃል ከሎ ፍሉይ ሓላፍነት እውን ተዋሂቡና እዩ። ንሱ ኸአ ብዘረባና ብግብርና ፍቕሪ አምላኽ ክነርኢ፥ ፍቕሪ አምላኽ ምሕረቱን ንኹልና ደቂሰብ ምዃኑ ክንገልጽ ይግብአና። አብ ቅድሚ ዓይኒ አምላኽ አኽላባት የለዉን። እቲ አብ መዓዲ ጎይታ ዝርከብ መግቢ፥ ቃልን ፍቕርን ጎይታ ንኹሉ ሰብ እዩ አብኡ ፍልልይ የለን።

ንአምላኽ አብ ግልል ዝ በለ ቦታ ምርካቡ።

አምላኽ አብ ኩሉ አሎ አብ ዝኾነ ቦታ ክንረክቦ ንኽእል ኢና እንተኾነ ባዕሉ ማሕደሩ ክኸውን ዝሓረዮ ቦታ አሎ። አብኡ ክንረኽቦ ንኽእል። ንሱ ብዝተፈላለየ ምኽንያት መሪጽዎ እዩ። ቅዱስ መጽሓፍ ነዚ አብሪሁ ይነግረና። አብ ቤቱ ክንመጾ ድላዩ እዩ። አብ ቤቱ ምምጻእ ክንሓድግ እንከሎና ሽዑ አብ ጸገም ንአቱ አሎና ሽዑ ጋሻ መንፈስ ይአቱ አሎ ስለዚ አብ ቤት አምላኽ ምምጻእ ከሰልክየና የብሉን። ኢሳያስ 56፡1~7 ዘሎ ርአ።

ንአምላኽ አብ ጊዜ ጸገምና ብእምነት ክንልምኖ አሎና።

“ብዘይካይ ሓንቲ ነገር ክትገብሩ አይትኽእሉን ኢኹም ዝበለ ነርድእቱ አብ ጸሎተ ሓሙስ ሎሚ እውን ንአና ከምኡ ይብለና። ኩልና ጎደሎ ሓገዝ ዘድልየና ሰባት ኢና። ባዕልና እንገብሮ ዕግበት ክህበና አይክእልን እዩ። ክንጽሊ ክንልምን እምብአር ግድነት እዩ። አብ ቅድሚ ክርስቶስ መድኃኒና ቆምና ተለመነልና ክንብሎ ይግባእ። እዛ ካንአናዊት ሰበይቲ ንኢየሱስ ክትልምኖ ከላ “ጎይታን ወዲ ዳዊት” እናበለት ክትልምን እንከላ ንኢየሱስ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ፍሉይ ዝኾነ ገራ ትልምኖ እምበር ከም ማንም ሰብ ገራ አይትልምኖን። ወዲ ዳዊት ዝብል መሲሓዊ ትርጉም አለዎ። ንጸገምና ከርህወልና ዝኽእል አምላኽ ክንልምኖ ግቡእና እዩ። ለምኑ ክትረኽቡ ኳሕኩሑ ክርሓወኩም ይብለና። አቲ ሰበይቲ እምነትኪ ዓቢ እዩ ከም ዝደልኽዮ ይኹነልኪ ዝብላ ቃላት ሎሚ ነፍሲ ወከፍና ክንገብረን አሎና። እምነትካ/ኪ አሕውይካ/ኪ ክንብሃል ምእንቲ።

አብ ገለ እውን አምላኽ ንጸሎትና ዝነጸጎ ኮይኑ ክስምዓና ይኽእል እዩ።

ሓዋርያት ሓንቲ መዓልቲ ማዕበል በርቲዑ አብ ብርቱዕ ፍርሓት ከለዉ ኢየሱስ ግን ይድቅስ ነሩ ሽዑ አይግድሰካን እንድዩ አብ ብርቱዕ ድንገተ ሞት እንዲና ዘሎና ክብልዎ ነንብብ። አብ ገለ እዋን አምላኽ ምሳና ከሎ ዝተኸወለና ኮይኑ ይስምዓና። አብ ኩሉ እዋን ጸገምና ምሳና አሎ። ምስጢር ድሕነቱ ክርድአና ከቢድ እዩ ግን ንሱ ምሳና አሎ። ካባና ዝድለ ቀጺልካ ምልማን። ከምቲ እዛ ከንአናዊት ብእምነታ ዝሰዓረት ቀጺልና ክንአምን ክንልምን ይግብአና። አብ ገለ እዋን ዝለመናዮ አይንረክብን ንኸውን ግን ቀጺልና ክንጽሊ ይግብአና። አብ ጸሎትና አምላኽ እንታይ ከም ዝደለ ክንርኢ ንኽእል ከምኡ ንአና ዝሓሸ እንታይ ምዃኑ ክንርኢ ንኽእል። ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ንአምላኽ እንደልዮ ጥራሕ ክነቕርበሉ ዘይ ኮነ ነቲ ሰላምን ዋሕስነትን ዝህበና እሞ ካብቲ ምስ አምላኽ ዘሎና ፍጹም ርክብ ጥራሕ ክርከብ ዝኽእል ክንልምን። ስለዚ ድላይ አምላኽ

ድላየይ ክኸውን ክልምን አሎኒ።

አምላኽ ሎሚ አብኡ ክንቀርብ ንኹሉ ክንውሃሃዶ ይዕድመና አሎ። ብዝተፈላለየ ምኽንያት ገሩ አብኡ ክንምለስ ዝተፈላለየ ምልክታት ይህበና። ቤቱ በትና ክንገብሪ፥ ኩሉ ዝጽግመና አብኡ ክነቕርቦ እሞ ፍቓድካ ይኹን ክንብል። ደቂ ሓንቲ ቤተክርስትያን ኮና መንፈስ ክርስቶስ አብ መንጎና ክነማዕብል። ንፍቕሪ ምሕረትን አምላኽ ክርእዩ ንዘይከአሉ አሕዋትና ክንቀርቦም ደቂ ቤቱ ንአምላኽ ክንገብሮ። ከምታ ከንአናዊት ሰበይት አብኡ ቀሪብና ራሕርሓለይ ጸጊሙኒ አሎ፥ አባኻ ክቐርብ አይግብአንን እንተኾነ ንስኻ ርሕሩሕ አምላኽ ኢኻ እሞ ራሕርሓለይ ንበሎ፥ ጸሎትና ቅዳሴና ተቐቢሉ ድላዩ እንፈጽም ይግበረና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ__








All the contents on this site are copyrighted ©.