2011-02-22 14:31:42

ምእንቲ ዝስደዱ ማኅበረ ክርስትያን


ናይ ካቶሊክን ኦርቶዶክስን ፕሮተስታንትን ኣንግሊካዊትን ካልኦት ናይ ኤውሮጳ ኣቢያተ ክርስትያን ብሓባር ኣብ ዓለም ናይ ሃይማኖት ነጻነት ውሑስ ክኸውንን እቲ እናሰፍሔ ዝኽከይድ ዘሎ ጸረ ክርስትያን ዓመጽን መከራን ስደትን RealAudioMP3 ክግታእ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትራት ቤት ምኽሪ ኣብ ብራሰልስ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ካብቶም ንኽዛራረበሎም ዝሓንጸጾም ዝክረ ነገር ሓደ ኮይኑ ክመያየጠሉን ብዛዕባኡ ውሳኔ ከህበሉ ዝሓትት መልእኽቲ ንናይ ኅብረት ኤውሮጳ ናይ ወጻኢ ጉዳይን ጸጥታን ደህንነት ፖሊቲካ ላዕለዋይ ሓላፊት ካተሪን ኣሽቶን ከምዝመሓላለፉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

እዚ ናይ ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪታት ኅብረት ናይ ኤወሮጳ ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ቤት ምኽሪ ብሓባር እቲ ኣብ ዓለም ናይ ሃይማኖት ነጻነት ውሑስ ክኸውንን ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዝፍጸም ዓመጽን ስደትን ክውገድ ዝሓትት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ትማሊ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ እንከመልክቱ፣ ናይ ሃይማኖት ነጻነት መሰልን ፍቓድን ከምዝኾነን ዴሞክራሲያዊ ማኅበረሰብ ከኽብሮን ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃገር ውሑስ ክኸውን ከይተሓለለ ክዓይን፣ ኣብ ዓለም ናይ ኵለን ሃይማኖት ነጻነት ክኽበርን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ልዕሊ ውሁዳን ማኅበረ ክርስትያን ዝፍጸም ዓመጽን ካብ ሃገሮም ክመዛበሉን ዝድርኽ ዓመጽ ብዘይ ቅድመ ኵነት ክግታእን፣ እቲ ሰላማዊ ማኅበራዊ ናብራ ዘናውጽ ዓመጽ ዘስፍሕን ነቲ እግዚኣብሔር ዝዓደሎ ሰብኣዊ ክብሪ ዘሕስር ተግባር ጸረ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ምውጋድ መሠረት ሰላም ምንባር ከምዝኾነ ናይ ኤውሮጳ ኣቢያተ ክርስትያን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣመልኪቶም፣ ስለዚህ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ኣብ ናይ ውልቃዊ ሕይወት ኣድማስ ዝውሰን ዘይኮነስ ሕዝባዊ ኣድማስ ከምዘለዎ ዘመልክት እውን ምዃኑ ናይ ኤውሮጳ ናይ ኩለን ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ሓባር መልእኽቲ ከምዘመልክቶ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.