2011-02-19 13:49:57

ካልአይ ክፋል ናይ ‘ኢየሱስ በዓል ናዝሬት’ ዘርእስቱ መጽሐፍ


ናይታ ብቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ዝተደርሰ ‘ኢየሱስ በዓል ናዝሬት’ ዘርእስታ መጽሓፍ ካልአይ ክፍሊ መጽሓፍ ንዝመጽእ መጋቢት ዕለት 10 2011 ዓም ናብ ሕዝቢ ከምዝቀርብ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ። መቀጸልታ ናይቲ ቀዳማይ መጽሓፍ ብምዃን ካብቲ ቀዳማይ መጽሓፍ በጺሕዎ ዝነበረ ስለጅምር፣ ትሕዝቶ ናይዚ መጽሓፍ እዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኢየሩሳሌም ብዓጀብ ካብ ዝአተወሉ ጀሚሩ ክሳብ ትንሣኤ ከምዝትርኽ ምስ እዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ተንቲኑ።
ኣብቲ ብዕለት 10 መጋቢት ሰዓት 5 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኣደራሽ ሕትመት ቫቲካን ዝካየድ ምቅራብ ናይዚ መጽሓፍ ጳጳሳት ናይ እትኃሊ ማሕመር ኃላፊ ብፁዕ ካርዲናል ማርክ ኮለት ከማኡ እውን ጸሓፍን ናይ ቋንቋ ጀርመን ሊቅን ፕርፈስር ክላውድዮ ማግሪስ ከምዝርከቡ ተሓቢሩ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.