2011-02-19 14:03:00

እምነት ጾር ዘይኮነስ ብርሃን ሕይወትና ኢዩ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ናይ ትማል ሶሙናዊ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ቅ.ዮሐንስ ዘመስቀል ኣስተምሂሮም። ቅ.ዮሐንስ ዘመስቀል ናይ መበል 16 ክፍለ ዘመን ባሕታዊ እንክኾን ምስ ቅ. ተረዛ ዘኣቪላ ጥቡቅ መንፈሳዊ ዕርክነት ነበሮም። ብዕብየት ትምህርቱ ሊቅ ቤተ ክርስትያን ዚብል ኣርእስቲ ተዋሂብዎ እንከብቅዕ ኣብ ምሕዳስ ቀርመለሳውያን ገዳማት እውን ምስ ቅ.ተረዛ ዘኣቪላ ዓቢ ኣበርክቶስ ዝገበረ ኢዩ። ቅዱስነቶም ብዛዕባ ትምህርቱ እንክዛረቡ ‘ናብ ቅድስና ዘብጽሕ ዝተረጋገጸ ጉዕዞ ኢዩ፣ ናብቲ ብእግዚአብሔር ዝተጸዋዕናሉ ኩነት ፍጽምና ንምብጻሕ ዝሕግዝ መንገዲ ኢዩ’ እንክብሉ ገሊጾሞ።

ቅዱስነቶም ኣተሓሒዞም፣ ‘ቅ.ዮሐንስ ዘመስቀል ንክርስቶስ ምኽታል ክበድ ዘይኮነስ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ዝሕግዘና ብርሃን ኢዩ፣ ሕይወት ናይዚ ቅዱስ እዚ ኣብ ሰማየ ሰማያት ኣብ ደመና ዝንሳፈፍ ዘይኮነ ሓቀኛን ብዘይመጠን ከቢድን ከምዝነበረ ገሊጾም። በዚ ከኣ ተመኩሮ ሕይወት ቅ.ዮሓንስ ዘመስቀል ንቁሩባት ኅሩያት ነፍሳት ጥራይ ዘይኮነ ንኩልና ኣብነት ዝኸውን መንገዲ ቅድስና ኢዩ። ሓደ ሰብ ናብ ዝዓበየ ፍቅሪ እንክጽጋዕ እዚ ፍቅሪ እዚ ዳርጋ መዘንበዪ ኣክናፍ ይህቦ እሞ ንኩሉ ጸገማት ሕይወት ብቀሊሉ ከምዝጻወር ይገብሮ፣ ምኽንያቱ ነቲ ዓቢ መብራህቲ ዝኾነ እምነት ሒዙ ስለዝጐዓዝ፣ እዚ ኸኣ ብእግዚአብሔር ዝተፈቀርካ ምዃንን ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢልካ ብእግዚአብሔር ክትፍቀር ንኩሉ ኣብ ኢዱ ምግዳፍን ነዚ ዓቢ ብርሃን የመልክት።

ቅዱስና ንሕና እንዓሞ ሥራሕ ኣይኮነን ናትና ግደ ሕይወትና ክሳብ ዝልወጥ ናይ ነፍስና መሳዅቲ ንብርሃን እግዚአብሔር ክንከፍት ኢዩ። ቅድስና ኸስ ብእግዚአብሔር ክትፍቀር ንኩሉ ኣብ ኢዱ ምግዳፍ ኢዩ፣ ጐይታ ነቲ ናይ ኩልና ጸዋዕታ ዝኾነ ነዚ ቅድስና እዝን ሐቀኛ ድሕነትን ንምርካብ ከኽእለና ከማኡ እውን ብእግዚአብሔር ክንፍቀር ኩሉ ኣብ ኢዱ ክንገድፍ ከኽእለናን ንለምኖ’ እንክብሎ ነቲ ብብርቱዕ ሥቃይን ክበድን ዝተሓልፈ ሕይወት ቅ.ዮሐንስ ዘመስቀልን ኣብነቱን ብምግልጽ ትምህቶም ዛዘሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.