2011-02-19 13:51:46

እምነት ብጸሎትን ብቅኑዕ ሕይወትን ትስስን


ቅዱስ ኣቦና ትማሊ ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ 6ይ ዘካየድዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ኣባል ማኅበር ኢየሱሳውያን ቅዱስ ጴጥሮስ ካኒስዩስ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ሂቦም። ቀንዲ ትምህርቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ሕይወት ክርስትያን ብጸሎትን ብጥቡቅ ርክብ ምስ ኢየሱስን ከምዝዓቢ የብርህ፣ ቅዱስነቶም ከኣ ነዚ መሠረት ብምግባር ምእመናን ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ብጠባዮምን ብተግባሮምን ቅኑዕ ዝኾነ መንገዲ ግብረ ገብነት ክኽተሉ ኣብ ክርስቶስ ዘሎዎም ተወፋይነት ከኣ ብተኣማንነት ክነብሩ ሓደራ ቢሎም።

ቅዱስ ጴጥሮስ ካኒስዩስ ኣብ ሆላንድ ዝተወልደ ኮይኑ ድሕሪ እኹል መጽናዕትን ኣስተንትኖን ኣባል ማኅበር ኢየሱሳውያን ብምዃን ኣብ ጽኑዕ ግዜ ናይ ምንቅስቃስ ጸረ ማርያም ኣብ ጀርመን ከም ሓዋርያ ዝተላእከ እሞ መጀመርያ ብኣብነታዊ መንፈሳዊ ሕይወቱ ኣብ ርእሲኡ ከኣ ብስብከቱን ብትምህርቱን ብጽሑፋቱን ንካቶሊካዊ ሃይማኖት ዘስፋሕፈሐን ዝተኸላኸለን ብቀሊሉ ንካልኦት ንምስትምሃር ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለ ትምህርቲ ሃይማኖት ዝደረሰን ዓቢ ቅዱስ ኢዩ።

ሓቀይና ስብከተ ወንጌል ምስ ኢየሱስን ምስ ቤተ ክርስትያኑን ተዋሃሂድካ ዝግበር ምዃኑ ብግብሪ ዘስተምሃረ ቅዱስ ጴጥሮስ ካኒስዩስ ኣብቲ ብርቱዕ ክርክር ዝነበሮ ጉባኤ ትረንቶ ናይ ኣጉስታ ጳጳስ ናይ ዝነበሩ ካርዲናል ኦቶ ተለግያዊ ኣማኻሪ ብምዃን ተሳቲፉ።

ኣብዚ ዝተጠቅሰ ከቢድ ናይ ክርክርን ወጥርን ግዜ ቅዱስ ጴጥሮስ ካኒስዩስ ኣብ ሃገረ ጀርመን ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣጽኒዕካ ምሓዝ ጥራሕ ዘይኮነ ናይቲ ሽዑ ዝብገስ ዝነበረ ማኅበር ኢየሱሳውያን ምስፍሕፋሕ እውን ዓቢ ኣበርክቶ ብምግባር ኣብ ዓዲ ጅርመን ብዙሓት ናይ ኢየሱሳውያን ኮለጃትን ገዳማትን ከምዝኽፈታ ገቢሩ ኢዩ።

ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ኩሉ ጽሑፋቱ ኣድላይነት ጸሎት ምናዳ ኸኣ ሥርዓተ ኣምልኾ ብግቡእ ምፍጻሙ ከምዘድሊ ሥርዓተ ቅዳሴ ንባባት ቅዱስ ወንጌልን ኣስተንትንን ምስታፍ ቅዱሳት ምሥጢራት ኣገዳስቲ ምዃኖም እንከመልክት ጽባቄ ግላውን ሓባራውን ጸሎት ከኣ ምንጪ ናይ ኩሉ ምዃኑ ንምእመናን ኣስተምሂሩ።

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብቲ ቅዱስ ጉባኤ ዝብል ብዛዕባ ሥርዓተ ኣምልኾ ዝምልከት ዓንቀጹ፣ ‘ሕይወት ክርስትና ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ ብምስታፍ እንተዘይተዓንጊሉ ብሕልፊ ከኣ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሰንበት ብምስታፍን ዕለታዊ ጸሎት ብምዝውታርን እንተዘይተቀሊቡ ኣይዓብን። ኣብ መንጎ ሚእትን ሽሕን ዝኾነ ዕለታዊ ተግባራትና ንኣስተንትኖን ጸሎትን ንጐይታ ጽን ምባልን ምሳኡ ንምዝራብን ግዜ ክንረክብ ናይ ግድን ኢዩ።’ ንዝብል ኣስተምህሮኡ ጠቂስዎ ይርከብ።

እንክብሉ ዕብየት ትምህርቲ ናይዚ ቅዱስ ብምግላጽ ብዝተፈላለየ ቋንቋ ብምምስጋን ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.