2011-02-19 14:08:48

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ንጾመ አርብዓ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ንጾመ ኣርብዓ ዝኸውን መልእኽቲ ከምዘሰናደው ኣርእስቲ እታ መልእኽቲ ድማ “ምስ ክርስቶስ ብጥምቀት ተቀቢርኩም ኢኹም ምሳኡ ከኣ ካብ ሞት ተንሢእኩም” ዝብል ከምዝኾነ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ ኣሎ። እዚ ትማል ንጋሆ ዝተገልጸ መልእኽቲ ዝመጽእ ዘሎ ሰሉስ ዕለት 22 የካቲት ሰዓት 11፣30 ኣብ ክፍሊ ሕትመት ቫቲካን ንኩሎም መራኸቢ ብዙሓን ከምዝዝርጋሕ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ገሊጹ። ንጋዜጠኛታት መብርሂ ካብ ዝህቡ ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሓደ ልቢ ወይ ኮር ኡኑም ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ሮበር ሳራ ከማኡ እውን ናይዚ ዝተጠቅሰ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ጃምፕየትሮ ዳል ቶሶ፣ ምሳኦም ከኣ ናይ ማኖስ ኡኒዳስ ዝተባህለ ማኅበር ግብረ ሠናይ ሊቀ መንበር ወ/ሮ ሚርያም ጋርስያ ኣብሪስኰታ መግለጺ ከምዝህቡ ተመልኪቱ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.