2011-02-12 13:11:33

ናይ ካቶሊክ ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘቤት


ናይ ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘ ቤተ መንፈሳዊ ዕላማ ብቐረባ ዝኽተሉ ብፁዓን ጳጳሳት፣ መበል 35 ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ኣዕሩኽ ምንቅስቃስ ኣፍቅሮተ ዘቤት ኣብ ካስተልጋልዶልፎ RealAudioMP3 ናይ ምንቅስቃስ ኣፍቅሮተ ዘ ቤት መንፈሳዊ ማእክል ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ “ኣብዚ እዋን መደብ ኣምላኽ ምልላይ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ካብ ዕለት 8 ለካቲት ክሳብ ዕለት 11 ለካቲት 2011 ዓ.ም. ከምእተኻየደ ክንገር እንከሎ፣ ብጠቕላላ ኣብቲ ክሳብ ትማሊ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ካብ ዝተፈላለያ 40 ሃገራት ዝተዋጽኡ 75 ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ከምእተሳተፉ ተገሊጹ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 9 ለካቲት 2011 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ረቡዓዊ ኣተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ እቕሪቦም ነቶም ኣብቲ መደብ ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ቅዱስ ኣቦና ዝተረኽቡ ኣብ ካስተል ጋንደልፎ መበል 35 ጉባኤ ኣዕሩኽ ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘ ቤት ብፁዓን ጳጳሳት ተጋባእያን ሰላምታኦም ብምቕራብ ዝተፍፈላለያ ካቶሊክ ምንቅስቃሳትን መንፈሳዊ ማኅበራትን ፍቓድ እግዚኣብሔር ክልለይን ከኽብርን ዝድግፉ ከምዝኾኑ ኣብቲ ናይ ካስተልጋንዶልፎ ጉባኤ ዝተሳትፉ ኣብ ብራዚል ናይ በለም ዶ ፓራ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣልበርቶ ታቨይራ ኮረኣ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.