2011-02-12 13:08:50

በዓለ ቅድስት ድንግል ማሪያም ዘ ሉርድ


ትማሊ ዕለት 11 ለካቲት ናይ ላቲን ሥርዓተ ኣምልኮ ግፃዌ እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን በዓለ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘ ሉርድ ኣብዒላ ከምዝወዓለት እንክንገር፣ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ምስ’ዛ ዓባይ በዓለ ማርያም ብምትሕሓዝ መበል 19 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕሙማን እውን ዘኪራ ከምዝወዓለት መግለጺ RealAudioMP3 ቅድስት መንበር የመልክት።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዘተፈላለያ ዓመታት ብዛዕባ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘ ሉርድ ዝሃብዎ ሥልጣናዊ ትምህርቲ፣ ኣብታ ደውስ ካሪታስ ኤስት-እግዚኣብሔር ፍቕሪ ኢዩ እተሰምየት ዕለት 18 ታሕሳስ 2005 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ኣብ ዘቕረብዎ ረቡዓዊ መደብ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዕሊ መግለጺ ተዋሂቡላን ዕለት 25 ታሕሳስ 2005 ዓ.ም. ንንባብ ዝበቕዔት ቀዳመይቲ ዓዋዲት መልእኽቶም ብዛዕባ እቲ ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ዝህብ ምእንቲ ዝብልን ዝሥዋዕ ካብ እግዚኣብሔር ዝምንጭ ፍቕሪ ኣረዲኦም፣ እዚ ድማ ናይ ቤተ ክርስትያን ሰብኣውን መንፈሳውን ተግባራታ ዝገለጽ ምዃኑ ተንቲኖም፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብፍላይ ድማ ኣብቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጾር ንዝርከቡን ንሕሙማን እተቕርቦ ኣገልግሎት ናይ ዝሥዋዕ ፍቅሪ ሱታፌ ምዃኑ እውን ሓቢሮም፣ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ማኅበረ ክርስትያን ማኅበረሰብ ቤተ ክርስትያን ነቶም ኣብ ጸገምን መከራን ሕማምን ንዝርከቡ ኢዶም ከምዝዝርግሑ ዝንገር ሓቂ እንክገልጹ፣ ኣብታ ሮሜ ምዕርፍ 8 ፍቕዲ 24 ስፐ ሳልቪ ብተሳፍ ኢና ዚደኃንና እተሰምየት ዕለት 30 ሕዳር 2007 ዓ.ም. ንንባብ ዝበቕዔት ዓዋዲት መልእኽቶም መሠረት፣ ቅዱስነቶም ሚዛን ሰብኣውነት ዝውሰን ምስ ስቓይን ዝሳቐዩን ብዝህሉ ልዝብነት ከምዝኾነ ከምዘረድኡ እንክዝከር፣ እዚ ናይተን ክልተ ዓዋዲት መልእኽትታቶም ማእከላዊ ሓሳባት ማርያም ኣብ ሉርድ ዝተገለጸትሉ መበል 150 ዓመተ ኣብ ዝበዓለሉ ኣብ 2008 ዓ.ም. ኣብ ሉርድ ምስ ኩሉ መንፈሳዊ ነጋዳይ ነጋዲ ኮይኖምን ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብቲ ቅዱስ ሥፍራ ማርያም ዘ ሉርድ ተረኺቦም ምሉእ ሥርየተ ሓጢኣተ ከምዝሃቡ እንክዝከር፣ ቅድም ክብል ሓዋርያው ቤተ ኑዛዜ ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና፣ ካብ ሥጋውን መንፈሳውን ሕማም ክንፍወስን ብኣማላድነት እኖና ድንግል ማርያም ዘ ሉርድ ምሉእ ምፍዋስ እግዚኣብሔር ክጽግወና ንዘለዓለማዊ ሕይወት ስንድዋት ክገብረና ዝብል ሓሳብ ዝተነበረሉ ከምዝነበረ ዝዝከር ኢዩ።

ዕለት 15 መስከረም 2008 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ፈረንሳ ዝፈጽመዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ሉርድ ኣባ’ታ ማርያም ንበርናደተ ሱብሪኡስ ዝተራኣየትላ በዓቲ ተረኺቦም ምእንቲ ዅሉ ከምዝጸለዩን ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።

ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘ ሉርድ ኣብቲ ድቕድቕ ዝበለ ጸልማት ናብ እግዚኣብሔር እትመርሕ ጮራ ከምዝኾነትን ናብ ዘለዓለማዊ ቤት ዘእቱ ማዕጾ ክኽፈት ዝገበረት ምዃና ድማ ሓቢሮም፣ እዛ ቅድስቲ ድንግል ኣብ ሕይወትና ሕቶናን ሥሕበትናን ኢያ ቢሎም፣ ንኣኣ ጽን ኣብ ምባል ዘብቕዓና መንፈሳዊ ትምህርቲ ክንጽመድ ብቓልን ተግባርን ከምዝመስከሩ መግለጺ ቅዱስቲ መንበር ብምዝካር፣ ቅድስቲ ድንግል ማርያም በቲ ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘየዳግም ምሉእ መልሲ ዝረኸበ መሠረታዊ ምዃናዊ ሕቶና እትዅልዕን ኣማላዲት ፈውሲ ሕሙማን ክምዝኾነትን ኣመልኪቶም፣ ናይ ቤተ ክርስትያን ጉዕዞ ሓባሪትን፣ ኣብዚ ጉዕዞ ንቤተ ክርስትያን እተሰንያን መጸናንዒት ሕሙማን ከምዝኾነትን ክርስትያናዊ ሓጎስና ስቓይ ዝዝንግዕን ዝርስዕን ዘይኮነስ፣ ኣብ ስቓይን ሕማምን ዝርከቡ ናይቲ ናይ እምነትን ኣብ እምነትን ተስፋ ዝገብር መንፈሳዊ ንግደት ኣብ ቤተ ክርስትያንን ምስ ቤተ ክርስትያንን ቀዳሞት ተዋሰእቲ ኢዮም ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።

ጸሎት ምስጋና ማርያም ኣማእኪሎም፣ ኣብቲ ናይ ምስጋና መዝሙረ ማርያም ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ናይ ኅልውና ተመኵሮ ርኽበት ዝዓትረሉ ከምዝኾነ ቅዱስ ኣቦና ኣረዲኦም። እቲ ናይ ምስጋና መዝሙረ ማርያም ናይቶም ዕድለይናታት ዝበሃሉ ዘይኮነስ ናይቶም ኣብ ናይ ኣግዚኣብሔር ናይ ምድኃን ተግባር እማኔኦም ዘንብሩ ሰባት ተመኵሮ ኢዩ። ናይ ምስጋና መዝሙረ ማርያም ናይቲ ብሓዊ ዝሓልፍ ናይቶም እግዚኣብሔር ተስፋኦም ዝገበሩን በቐዳምነት ምስ ማርያም ነኅዋትን ኣኃትን ሓገዝ ኮይኖም ናይ ዝርከቡ ናይ ብዙሓት ኣማኒያን ተመኵሮ መዝሙር ምስጋና ኢዩ።

ኵሉም ሰብ ሙያ ኣለይቲ ሕሙማን ኣቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝርከብ ብሕማም ዝተጠቕዔ ሰብ፣ ከም ሓደ ግኡዝ ዘይኮነስ፣ ብሥጋን ብነፍስን ዝቖመ ሰብኣውነት ለበስ ሰብ ከምዝኾነ ተገንዚቦም ምሉእ ደገፍ ከቕርቡ ሓደራ እንክብሉ ምዕዳን ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።

ብዛዕባ ክንክን ጥዕናን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ዝይግሙንት ዚሞውስኪ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንናይ 2011 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መበል 19 መዓልቲ ሕሙማን ምኽንያት ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ከም ሰብ ምዃንና ዝጠልቦ ስቓይን መከራን ኮታ ኩሉ ኣብ ምድራዊ ሕይወትና ዘጓንፈና ስቓይ፣ ብናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስቓይ መሠረት ክንርድኦን እቲ ስቕይና ተስፋ ዘይሓክኽ ስቓይ ከምዝኾነ እውን እቲ ሞይቱን ንሞት ስዒሩን ዝተንሥኤ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንኮ ትርጉም ኅልውናና ምዃኑ ዘነጽር ኢዩ ቢሎም፣ እዛ መዓልቲ ሕሙማን ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ውሳኔ መሠረት ዝተበገሠ መደብ እውን ምዃኑ ዘዘኻኽር መልእኽቲ ከምዝኾነን ሓልዮት ምጽንናዕን ኣደ መድኃኔ ዓለምን ምህረትን እኖ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ወትሩ ከሰንየና ዝጸለየን፣ ስቓይን ብቲዮሎጊያን ቅዱስ መጽሓፍን መሠረት ክንርድኦ እንከሎና ጥራሕ ኢዩ እንታይነቱን ትርጉሙ እነለለይን ደረቱ ካበይ ኣበይ ከምዝኾነ እንፈልጥን እቶም፣ ኣለይቲ ሕሙማንን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና እውን እቲ ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ጥልቂ ትርጉሙን ዕላማኡን ከለልዩ ከምዝኽእሉ ዘረጋግጽ መልእኽቲ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.