2011-02-10 14:36:20

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜና ክፍሊ ማኅተም መግለጺ


ካብቲ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስያን እትኽተሎ ሥርዓት ኣፈጻጽማ ምሥጢረ ንስሐ ፍልይ ዝበለ በቲ ኣብዚ እዋን ተበጺሑ ዘሎ ብሥነ አኃዝ ዝተደገፈ አዚዩ ዝተራቀ ካብቶም ምዕቡላት መራኸቢ ብዙሃን ሓደ ኣይፎን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ድምጽን (ምስማዓዊ) ምርኢትን ዘሳኒ መሣርሒ ተጠቅሚማ ምሥጢረ ንስሐ ምፍጻም ክፍቀድ ኢዩ RealAudioMP3 ዝበሃል ዘሎን ከምኡ ድማ ብዛዕባ ምሥጢረ ተክሊል ዝምልከት ብግቡእን ብሥርዓትን ኣብ ትሕቲ ጽላል ቤተ ክርስትያን ዝተፈጸመ ሕጋዊ መርዓ ኮይኑ ግን ኣብቶም ክልተ ሰብኣይን ሰበይትን ብነጻ ድላዮም ንምሥጢረ ተክሊል ተሰናድዮም ኣብ ቤተ ክርስትያን እቲ ሓደ ዝገብሮም ምሥጢር ቀዲሶም ከብቅዑ እቲ ቀጺሉ ምሉእ ዝገብሮም ግብረ ጾታዊነት ርክብ ኣብ ግብሪ ዘይወዓሉ እንተድኣ ኮይኑኖም ነቲ ዝተቀደሰ ምሥጢረ ተክሊል ፍሩስ ናይ ምግባር ሕጋዊ ትግባረ ውሳኒ ናይቲ ሥርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ሚሥጢራትን ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ዝነበረ መዝነት፣ ቅዱስ ኣቦና በቲ ዘለዎም ፍሉዩ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሥልጣን ተጠቂሞ ናብቲ ሮታ ሮማና ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት ፍርዲ ቅድስቲ መንበር ከሰጋግርዎ ምዃኖም ዝንገር ዘሎ ሓበሬታ መሠረት ናይ ቅድቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ሓላፊ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ መብራህርሂ እንክህቡ፣ ሓቂ ኢዩ እዚ መዝነት ናይ ምሥግጋር ውሳኔ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ መጽናዒቲ ዝግበረሉ ዘሎ ጉዳይ ኢዩ። እዚ ሥልጣን ናይ ምሥግጋር ድላይ ግን እቲ ቅዱስ ማኅበር ነቲ ብካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ውሳኔ ዝተገልጸ ድላይ ናይ ምርግጋጽ ኅዳሴ ሊጡርጊያ ንምንቕቓሕ ዝብል ሸቶ መሠረት ገይሩ ንምግታ ዘብቕዕ ናይ ምቁጽጻር መደብ ወይ ሓሳብ ስለ ዘለዎ ኣይኮነን ቢሎም፣ ኣስዒቦም ኣብዚ እዋን’ዚ ብአይፎን ተጠቂምካ ምሥጢረ ንስሐ ብግረ-ሓሳብ ምፍጻ ፍቑድ ክኸውን ኢዩ ዝበሃል ዘሎ ዜና ጠቂሶም፣ ቅድም ቀዳድም ምሥጢረ ንስሐ ኣብ መንጎ ተናዛዝን ኣናዛዝን ጭቡጥ ዝኾነ ኅልው ሰብኣውን መንፈሳውን ገጽ ንገጽ ርክብን ዘተን ዝሓትት እምበር ብሓሳባዊ ርክብ ዝፍጸም ኣይኮነን። ነቲ ጭቡጥን ግሁድን ሰብኣዊ ኅላዌ ርክብ ብዝኾነ ይዅን ናይ መራኸቢ መሣሪሒ ተጠቂምካ ምፍጻምን በዚ ድምጽን (ምስማዓዊ) ምርኢታዊ ዘሳኒ መጋበርያ ዝትካእ ኣይኮነን። ስለዚህ በዚ መጋበርያ ምሥጢረ ንስሐ ምፍጻም ዝከኣል ኣይኮነን ኢሎም። ኣብ ዝኾነ ይዅን እዋን መንፈሳዊ ንባባትን መንፈሳዊ ጽሑፋትን ቅዱስ መጽሓፍ ከተንብበሉን ዝሕግዝ ሥሉጥ መሣርሒ ከምዝኾነ ሓቢሮ። ቅዱሳት ምሥጢራት ዝትክእ ግን ኣይኮነን ምስ በሉ፣ እዚ ብሥነ ኣኃዝ ዝተራቐ መራኸቢ ብዙሃንን መርበብ ሓበሬታን ግብእን ቅኑዕን ናይ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት መሣለጢ ክኸውን ንጸያፍ ተግባራትን ክብሪ ሰብ ዘሕስር ድላይ መካየዲ ከይኮውን ድማ ኣብዚ ጉዳይ ዘማእከል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣሎ ኣንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.