2011-02-10 14:37:58

ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜርካ ብፁዓን ጳጳሳት መግለጺ


ናይ ሕይወት ባህሊ ንምንቕቓሕን ናይ ሞት ባህሊ ንምውጋድ ብዝብል ውሳኔ መሠረት ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፣ ናይ ክንክን ጥዕና ሰብ ሙያ ናይ ኅሊና ነጻነት RealAudioMP3 ክኽበርን ካብ ሕዝቢ ካብ ዝኽፈል ቀረጽ፣ ሚዛን ገንዘብ ሰሊዕካ ጽንሲ ንምንጻል መሳለጢ ከይውዕል ዘተሓሳስብ ጻውዒት ከምዘቕረበ ክንገር ኣንከሎ፣ እዚ ምእንቲ ክንክን ጥዕናን ሓለዋን ሕይወትን ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሔ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ሰነድ ናብ ናይታ ሃገር ሕዝባዊ ባይቶ ከምዝተመሓላለፈ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብዛዕባ ሕይወት ዝሓሊ ናይ ሕይወት ባህሊ ዘነቓቕሕ ኮምቴ ሊቀ መንበር ናይ ጋልቨስቶንን ሁስቶንን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ዳኒየል ዲናርዶ ከምዝሓበሩ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

እቲ መልእክቲ ብፁዓን ጳጳሳት ተግባር ሓላዪ ሕይወት ዝብል መለለዪ ዘለዎ ከምዝኾነን ጽንሲ ምንጻል ምርጫ ዘይኮነስ ሰብኣውነት ካብ ሰብ ዝሓክኽን ናይ ሞት ባህሊ ከምዝኾነን ንገዛእ ርእሱ ናይ ኅሊና ናጽነት ዝግህስ እውን ከምዝኾነ ብፁዕ ካርዲናል ዲናርዶ ጠቂሶም፣ እቲ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ናይ ፈደራላዊ መደብ ክንክን ጥዕና ጸረ ክንክን ጥዕናን ጸረ ናይ ኅሊና ናጽነት እውን ኢዩ ከምዝበሉ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እቲ ናይ መንግሥቲ መርሃ ግብሪ ክንክን ጥዕና ጽንሲ ምንጻል ፍቑድ ዝገበር ሕቡዕ ድላይ ዘለዎ ከምዝኾነን ስለዚህ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ነዚ መርሃ ግብሪ ብናይ ኅሊና ናጽነቶም መኀረት ዘቕርብዎ ግብራዊ ተቓውሞ ክኽበር ዝሓትት መግለጺ ከምዝኾነን፣ ብፅዕ ካርዲናል ዲናርዶ ከምዝሓበሩ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ጠቂሱ፣ መንግሥቲ ሕዝቢ ዝኸፍሎ ቀረጽ ተጠቂሙ ጽንሲ ምንጻል ከየተባብዕ ጻውዕዊት ብምቕራብ ጽንሲ ንምንጻል ካብ ምትብባዕ ነቶም ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ ሰብኣዊ መሰሎም ተነፊግዎም ዝነብሩ ድኻታት ክፍሊ ኅብረተሰብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ክረኽቡ ንዝብል መርሃ ግብሪ መሣለጢ ክገብሮ ብፁዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ጻውዒት ከምዘቕረቡ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.