2011-02-08 13:54:15

ናይ ኢጣሊያ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መግለጺ


ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ኣንኮና ካብ ዕለት 3 መስከረም ክሳብ ዕለት 11 መስከረም 2011 ዓ.ም. ንኽካይድ ተወሲኑ ዘሎ ናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ ናይ ቅዱስ ቁርባን ጉባኤ ምኽንያት ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት RealAudioMP3 ቤት ምኽሪ ቅዱስ ቁርባን ማእከል ቤተ ክርስትያንን ማኅበረ ክርስትያንን ምንጪ ናይ ኵሉ ጸጋታት ምዃኑን በዚ ሚሥጢር’ዚ ድማ ቤተ ክርስትያንን ማኅበረ ክርስትያን ማኅበረሰብ መሰኻኽር ትንሳኤ ክርስቶስን ከምዝኾኑ ዘነጽር መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ብሉይን ሓዲስ ኪዳንን ኣብ ትውፊትን ጽሑፋት ኣበውን ናይ ቤተ ክርስትያን ሊቃውንትን ኣስተምህሮ ተመርኵይዙ ብምትንታን ከምቲ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕራፍ 6 ፍቕዲ 68 “ስምዖን ጴጥሮስ ጎይታይ ንስኻ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ቃል ኣሎካ፣ ናብ መን እሞ ኽንከይድ እንክብል ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ሓዋርያትም መእመናን ማእከልነት ቅዱስ ቁርባን ዘነጸረለን ቃላት ብምትንታን፣ ማኅበረ ክርስትያን ምዃንና ኣብ ሱታፌ ሕይወት ክርስትና ክግልጸ ከምዘለዎ ዘተሓሳብ ምዃኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.