2011-02-08 13:49:11

ሰነጋል፦ ዓለም ሓቆፍ ማኅበራዊ ጉባኤ


ኣብ ሰነጋል ርእሰ ከተማ ዳካር ካብ 123 ሃገራት ዝተዋጽኣ ማኅበራትን ናይ 45 ሃገራት ልኡካነ መንግሥታትን 1.205 ዝተፈላለያ ማኅበራትን ዘሳትፍ ዘሎ መበል 11 ዓለም ሓቆፍ ማኅበራዊ ጉባኤ ቅድሚ ትማሊ ብወግዒ ከምእተጀመረ እንክንገር፣ ምእንቲ’ዚ ዓለም ሓቆፍ ማኅበራዊ ጉባኤ ናይ ዳካር ሊቀ ጳጳስ RealAudioMP3 ሰነጋላዊ ብፁዕ ካርዲናል ተኦዶረ አድሬን ሳር ዳካር ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ሥፍራ ሠማዕታት ኡጋንዳ ተረኺቦም ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስክበት፣ ኣብ መርሕነት ዘሎ ኣካልን መዋቕርን ስልጣኑ ብዘይ ግብእ ክጥቀመሉ እንከሎ ሕዝቢ ቁጣዔኡ ከስምዕን ትጽቢታቱን እንታይ መዃኑ ንምሕባር ክለዓዓልን ሰላማዊ ሰልፍታት ከካይድ ባህርያዊ ኢዩ። እዚ ዓይነት ሰላማዊ ሰልፊ ብጉብእን ሥርዓት እንተድኣ ዝፍጸም ኮይኑ መሳለጢ ኅዳሴን ለውጥን ይኸውን ቢሎም፣ እቲ ኣብ ከባቢ ሃገራት ማግረብ፣ ሕዝቢ እንታይ ከምዘድልዮ ንምግላጽ ዘካይዶ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ነቲ ኣብ መርሕነት ዘሎ ሥርዓት ዝነጽግ ኢዩ። እዚ ዓይነት ኅሊናዊ ግንዛቤ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ክነቓቓሕ ዝካኣል ኢዩ። ስለዚህ እቲ ለውጥን ኅዳሴን ዝሓትት ሰላማዊ ሰልፊ፣ ንዝተፈላለዩ ጸረ ሰላም ኃይልታት መሣራሒ ከይኸውን ምጥንቃቕ የድሊ መንግሥታት እውን ዝተመዓራረየ መልሲ ክህብሉ ይግባእ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ናይ ቦሊቪያ ርእሰ ብሔር ኤቮ ሞራለስ ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ማኅበራዊ ጉባኤ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ናይ ሻይክ ኣንታ ዲዮፕ መንበረ ጥበብ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ሕዝቢ በቲ ናይቲ ፋይዳኣውነትን ኣኅላኽን ሥርዓት ርእሰ ማልነት ኣገባብ ዘጉልሕን ዝትግብር ፖለቲካዊ ሥርዓት ተዳኺሙን ዓቕሉ ጸቢብዎን ደኺሙን ኢዩ፣ ስለዚ ነዚ ዓይነት ዘይ ኣገባብ ክነሱ ኣገባብ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ዓቢ ሽግር ዘስዕብ ዘሎ ፖለቲካ ኣይፋል ንምባል ብሰላማዊ መገዲ ቅኑዕ ድላዩ ንምግላጽ ክለዓል እወታዊ ኢዩ ቢሎም፣ ኣብዚ ዓለም ሓቆፍ ማኅበራዊ ጉባኤ ክሳተፉ ኣብ ዳካር ምርኻቦም ድማ ዓቢ ሓጎስን ሓበንን ኢዩ ከምዝበሉ ክንገር እንከሎ፣ ኣብ ዓለም ለውጥን ኅዳሴን ዝሓትት ኣብ ዳካር ልዕሊ 20 ሺሕ ዜጋታት ኣብ ዘሳተፈ ሰላማዊ ሰልፊ ከምእተረኽቡ እውን ክንገር እንከሎ ናይ ብራዚል ነበር ርእሰ ብሔር ሉዊስ ኢናዚዩ ሉላ ዳል ሲልቫ ቀጺሎም ዘረባ ከምዘስምዑ ተሓቢሩ።

ብዛዕባ እዚ ኣብ ዳካር ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ማኅበራዊ ጉባኤ ዝሳተፉ ዘለዉ ናይቲ ናይ ሕፃናት መሰልን ፍቓድን ውሑስ ክኸውንን ኣብ ዓለም ፍትሓውን ማንም ዘይንጽል ምዕባለ ክረጋገጽን ኩሉ ብማዕረ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ተጠቃሚ ክኸውን ዝነቓቕሕ ዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ተረ ደስ ሆመስ ዝተሰምየ ማኅበር ሊቀ መንበር ራፋኤለ ሳሊናሪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኤኮኖሚ ዓለም ብጽገናዊ ለውጥታት እምበር ብሕዝባዊ ሕቶ ብዝተደገፈ ለውጢ ክምራሕ የብሉን ዝብል ከይዲ ኤኮኖሚ፣ ኣብ ሞንጎ ሕጋውን ዘይሕጋውን ከይዲ ቁጠባን ኤኮኖምን ዘሎ ዘይምቅዳው ዘሕስስን ሕጋውን ዘይሕጋውን ከተለልይ ዘጸግም እናኾነ እቲ ዘድሊ ብዝኾነ ይዅን ኣገባብ መኽሰብ ጥራሕ ዝብል ብምዃኑ፣ እዚ ዓይነት ከይዲ ኤኮኖሚ ኣብ ዓለም ዘስዕቦ ዘሎ ማኅበራውን ሰብኣውን ፖለቲካውን ሽግራት ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ድኻታትን ኣብ ጎደና ልምዓት ዝረካባ ሃገራት ዘስዕቦ ሽግር ቀሊሊ ኣይኮነን። ንኣብነት ካብቲ ናይ ገበን ጉጅለታት ዘካይድዎ ሕፃናትን ዜጋታት ድኻታታ ሃገራት ነቲ ሰብኣዊ ክብሪ ዝሓኽኽ ምስ ሥጋዊ ርክባት ዝተተሓሓዘ ጽሑፋትን ስዕልታት ዝርጋሔን ሕፃናትን ዜጋታት ድኻታታ ሃገራት ንሓደጋ ዘቃልዕ ክነሱ ገና ንምውጋዱ ኣይተኻእለን። ስለዚህ ናጻ ኤኮኖሚ ካበይ ደረት ጃምሬኡን ፍጻሜኡን ክልለ ይግባእ። ናጻ ኤኮኖሚ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ዝፍጸም ክኸውን የብሉን ኢሎም፣ እቲ ኣብ ዓለም ዝስበኽን ዝሰፍሕን ዘሎ ኢግብረ ገብን ሥነ ምግባርን ኣልቦ ናይ ልምዓት ሜላ ተነጺጉ በቲ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ክብርን ዘማእከለ ከይዲ ልምዓት ክትካኣ ኣለዎ፣ እዚ ዓለም ሓቆፍ ማኅበራዊ ጉባኤ ነዚ ዓይነት ልዑል ክብሪ ዘተባብዕ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.