2011-02-05 14:34:46

ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ጸጥታን ደህንነትን


ኣብ ጀርመን ከተማ ሙይንሽን ብጀካ እቶም ናይ ዝተፈላለያ ዓለም ለኻውያን ተቛማት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መራሔ መንግሥታትን ርእሰ ብሔራትን ዘሳትፍ ብዛዕባ ጸጥታን ደህንነትን ርእሰ ጉዳይ ዝዝቲ መበል 47 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ከምእተጀመረ ክንገር እንከሎ፣ እዚ ክሳብ ዕለት 6 ለካቲት 2011 ዓ.ም. ዝቕጽል መፍትሒ ዘድልዮም ዓበይትን RealAudioMP3 ኣገደስትን ዓለም ሓቆፍ ሕቶታት ፖለቲካ ኣማእኪሉ ኣብ ዝካይድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ፣ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜርካ ዋና ጸሓፊት ሂላሪይ ክሊንተንን ናይ ኣፍጋኒስታን ርእሰ ብሔር ሓሚድ ካርዛይን ካብቶም ዝሳተፉ ዘለዉ ላዕለዎት ናይ መንግሥቲ መራሕትን ኣካላትን ንምጥቃስ ይከኣል። ናይ ቢየሎሩሲያ ርእሰ ብሔር መንግሥቶም ዓለም ሓቆፍ መሠረታዊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ዘየኽብር ብምዃኑ በዚ ክሲ መሠረት ኣብቲ ጉባኤ ከምዘይሳተፉ እውን እንክፍለጥ፣ እቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኤኮኖሚያውን ቁጠባውን መልክዕ ዘለዎም ዓለም ሓቆፍ ርእሰ ጉዳያት እውን ኣማእኪሉ ይመያየጥ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣመልኪቶም ብዛዕባ ናይ ሥነ መልክኣ መሬት ኣቀማምጣ ፖለቲካ ጉዳይ ዝምልከት ኤክዪሊብሪ ነጥቢ ኔት ናይ ዝተሰምየ ዓለም ሓቆፍ መጽሔት ጋዜጠይና ናይ ሥነ ኣቀማምጣ መሬት ፖለቲካ ተንታኒ ኤማኑኤለ ሺቦቶ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እዚ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ በቢ ዓመቱ ኣዚዩ ኣገዳስ እናኾነን ናይ ተሳተፍቲ ሃገራት ብዝሒ እውን ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎ ጠቒሶም፣ ምእንቲ ምርግጋጽን ውሕስነት ጸጥታን ደህንነትን ሰላምን ኣብ መንጎ መንግሥታትን ሃገራትን ኤውሮጳን ሩሲያን ምትሕብባር ወሳኒ ምዃኑ ብዝተፈላለየ ኵርናዕ ዘነጽር ጉባኤ ከምዝኾነን ኣብ ኣጠቓቕማ መራኸቢ ብዙሃንን ብፍላይ ድማ እቲ ብሥነ ኣኃዝ እናማዕበለን እናተረቐቐን ዝኸይድ ዘሎ መርበብ ሓበሬታ መንግሥታት ኣዚዮም ኣገደስትን ነተካኣን ተኣፋፍን ዝኾኑ ውሕስነት ጸጥታን ደህንነትን ንሓደጋ ከቃልዑ ዝኽእሉ ሓበሬታ ከስዕቦ ዝኽእል ውጥረትን ምስሓብን ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ምልውዋጥ ናይ ምሥጢር ሰነዳትን ሓበሬታታትን ዝኽተልዎ ናይ ኣጠቓቕማ ሥልቲ ዓቢይ ጥንቓቔ ዘድልዮ ምዃኑ ኣሚኖም ነዚ ነጥቢ ክዝትይሉ ከምዝኾኑን፣ ብዛዕባ ምርጋፍ ናይ ኑክሊየር ኣጽዋር እውን ክመያየጡን ሰላም ንምርግጋጽ ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባር ዝጠልብ ናይ ሰላም ዓቃቢ ተልእኾ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ እውን ዝዝቲ ምዃኑ ሓቢሮም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.