Home Archivio
2011-02-03 15:22:38
ሮማ፦ ሰላማዊ ሰልፊ ምእንቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን
እቶም ግብጽን እስራኤልን ኣብ ዘዳቡ ክሊ በቶም ወዲ ሰብ ብሕገ ወጥ ካብ ቦታ ቦታ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ተዓጊቶም ዝርከቡ ዜጋታት ምስራቕ ኣፍሪቓ ጉዳይ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ትኵረት ክግበረሉን ካብቲ ኣጓኒፍዎም ዘሎ ሓደጋ መታን ክናገፉ ዝጽውዕ ብመብራህቲ ሽምዓ ዝተሰነየ ሰላማዊ
ሰልፊ ከምእተኻይደ ክንገር እንከሎ፣ እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ሓቤሻ እተሰምየ ዘይመንግሥታዊ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበርን ኣብ ሮማ ናይ ኢየሱሳውያን ናይ ስደተይናታትን ተምዛበልትን ጉዳይ ዝሓሊ ማኅበርን ናይ ኢጣሊያ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝከታተል ቤት ምኽሪ ብሓባር ዘዳለውዎ ከምዝኾነ ተገሊጹ።
እቲ ቅድሚ ትማሊ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ እቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ዘለዉ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ተስፋ ከይቆርጹን ብኻልእ መዳይ ድማ መንግሥታት ምእንታኦም ዘድሊ ውሳኔታት ከመሓላልፉን ናጻ መታን ክልቀቑ ተጊሆም ዝካኣል ኵሉ ኽግበሩ ኅሊና ዘነቓቕሕ ከምዝኾነ እንክፍለጥ፣ ብዛዕባ እዚ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ኣመልኪቶም ናይ ኢየሱሳውያን ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝሓሊ ብኣስታሊ ዝጽዋዕ ማእከል ኣመሓዳሪ ኣባ ጆቫኒ ላ ማና ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብመብራህቲ ሽምዓ ተሰንዩ ብዘይ ጭርሖ ብጽሞና ዝተኻየደን ከምዝኾነን እዚ ድማ እቶም ብናይ ዓለም መንግሥታት ሸለልተይናነት ሰማዒ ስኢኖም ኣብ ጸገምን መከራን ዝርከቡ ዘለዉ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ናይ ስቓይ ሱቕታኦም ንምቅላሕ ምዃኑ ኣረዲኦም። ንናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሽግር ዘይሰምዕ እዝኒ ምሃብ ካብቲ ንስደት ዝድርኽ ሰብኣውን ማኅበራውን ፖለቲካውን ጸቕጢ ዝፍለይ ኣኮነን፣ ስለዚህ እዚ ሰላማዊ ሰልፊ እቶም ኣብ ግብጽን እስራኤልን ዘዳቡብ ክሊ ተዓጊቶም ኣብ ከቢድ ሽግር ወዲቖም ንዝርከቡ ስደተይናታት ካብቲ ኣጋጢምዎም ዘሎ ኣስጋኢ ኩነት መታን ናጻ ክልቐቑ መንግሥታት ዘነቓቕሕ እውን ኢዩ ኢሎም።
ቅድም ናይ ግብጺ መንግሥቲ እውን ብዙሕ ትኵረት ከምዘይገበረሎምን ሕጂ ድማ በቲ ኣብ ግብጺ ተኸሲቱ ዘሎ ሕዝባዊ ናዕቢ ዘስዕቦ ማኅበራውን ፖለቲካውን ውጥረት ናይቶም ዝተዓግቱ ስደተይናታት ኩነት ናብ ዝገደደ ስግእት ኢዩ ኣዘንቢሉ ዘሎ እንክብሉ ናይቲ ሓበሻ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበር ሓላፊ ኣባ ዘርኣይ ብወገኖም ገሊጾም፣ መንግሥቲ ኢጣሊያን ናይ ሕቡራት መንጋሥታት ዓለም ማኅበራትን ድሓር ዝደንጎየ ከይከውን ምእንቲ እቶም ተዓጊቶም ዝርከቡ ስደተይናታት ክንቐሳቐሱ ሓደራ ኢሎም።
እቶም ተዓጊቶም ዘለዉ ስደተይናታት 250 ከምዝኾኑን ካብዚኣቶም ሰብዓ ዝግመቱ ድማ እቶም ጨወይቲ ነፍሲ ወከፍ ስደተይና ናጻ ክልቐቕ ዝሓተትዎ ናይ ገንዘብ ዋጋ ከፊሎም ናጻ ከምእተለቝን 20 ዝግመቱ ድማ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጓነፎምን ገሊኦም እውን ኣበይ ከምዝኣትዉ ከምዘይፍለጥን ክንገር እንከሎ፣ እዚ ዅሉ ጸብጻብ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ብትኽክል ኣብ ኢድ እቶም ጨወይቲ ክንደይ ስደተይናታት ከምዝተአረፉ ንምፍላጡ ኣሸጋሪ ከምዝኾነ ኢዩ ዝንገር።
All the contents on this site are copyrighted ©.