2011-02-01 14:13:20

ጀርመን፣ ናይ መንሰያት ጉዳይ ዝሓሊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ


ናይ ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኅብረት ብዛዕባ ናይ መንሰያት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ርእሰ ጉዳይ ገይሩ ኣብ ጀርመን ሙዩንሽን ከተማ ዘካይዶ ናይ ዘለስተ መዓልቲ ኣኼባኡ ትማሊ ከምዘጠናቐቐ እንክንገር፣ እዚ ናይ 23 ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት በቲ ናይ መናብረተ ጥበብ ተመሃሮን መንሰያትን RealAudioMP3 ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጉዳይ ዝሓልዩ ድርገታቱ ገይሩ ዘካይዶ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ኣኼባ ኣብ ምዃን ወዲ ሰብ ተነቢሩ ዘሎ እግዚኣብሔር ሓንቀው ዝብል ባህርይ ኣማእኪሉን ነዚ ኣብ ወዲ ሰብ ዘሎ መንፈሳዊ ምዃናዊ ዝምባለ ኣብ ኵሉ መዳይ ትኵረት ክግበረሉን፣ መልእኽቲ ወንጌልን ምርምርን እምነትን ምርምርን ክራኸቡ ዝኽእሉን እምነትን ምርምርን ዝማልኡ ከምዝኾኑን ዘነጽር ናይ መናብርተ ጥበብ ተመሃሮን መንእሰያትን ንዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መሠረት ዘቕርብ ከምዝኾነ እቲ ጉባኤ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ሓብር ሰነድ የመልክት።

እቲ ጉባኤ ብኻልእ መዳይ ኣብ መናብርተ ጥበብ ዝቐርብ መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ናይ መንሰያት ጉዳይ ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ኤውሮጳን ከማኡ እውን ናይ ዘመንና ተመሃሮ መናብርተ ጥበብ መንነት ንምልላይን ኣብ ልዕሊ’ዚ ምይይጥ እውን ከምእተኻየደ እንክንገር፣ ነቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ጉባኤ ናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ሊቀ መንበር ናይ ኤስተርጎምን ቡዳፔስትን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶ ብዘስምዕዎ ዘረባ ከምእተዛዘመ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።







All the contents on this site are copyrighted ©.