2011-02-01 14:07:03

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፣ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ


ኣብ ቦሊቪያ ከተማ ሳንታ ክሩዝ ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 24 ጥሪ 2011 ዓ.ም. ሓደ ዓቢይ ሕንፃ ከምዝፈረሰ እንክንገር፣ በዚ ዘጋጠመ ሓደጋ ምፍራስ ዓቢይ ሕንፃ 12 ዜጋታት ከምዝሞቱን ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት ገና ከምዘይተረኽቡን ክፍለጥ እንክሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 በቲ ዘጋጠሞ ምፍራስ ሓደጋ ዓቢይ ሕንፃ ዝተሰምዖም ጥልቂ RealAudioMP3 ሓዘብ ብምግላጽ፣ ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም እግዚአብሔር ኣብ መንግሥቲ ክቕበሎምን ንቤተሰቦም ድማ ምጽንናዕ ተመንዮም ኣብ ጸሎቶም ኅልዋት ምዃኖም ዘረጋገጽን ከምኡ ድማ ነቶም በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝተጎድኡ ግቡእ ክንክን ጥዕና ረኺቦም ሓውዮምን ናብ ዕለታዊ ናብራኦም ክምለሱ ዝምነ መልእኽቲ ናብ መንግሥቲ ቦሊቪያ ከምዘተሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.