2011-01-29 15:05:43

ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ኣብ ሓደጋ


ምርጋፍ ከቢድ ናይ ውግእ ኣጽዋር ውሳኔን ብዛዕባ ናይዚ ጉዳይ ዝምልከት ሥነ ፖለቲካ ሊቅ ፕሮፈሶር ማውሪዚዮ ሲሞንቸሊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዘይረጋገጸሉን/ዘይኽበረሉ ሥፍራ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ሓዳስ መጽሓፍ ንንባብ ከምዝበቕዔት እንክንገር፣ ብዛዕባ እዛ ሓዳስ መጽሓፎምን ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ሕዝቢ ዘቕርቦ ዘሎ ናይ ለውጢ RealAudioMP3 ሕቶን ሳዕቤናቱን ነዚ ሓድሽ ምንቅስቓሳት ማኅበረሰብ ዓለምን ብፍላይ ድማ ኅብረት ኤውሮጳ ግቡእ ቆላሕታን ዝመዓራረይ ግምት ዘይህበሉ ዘሎ ጉዳይ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ወግእ ናይ መንግሥቲ ይዅን ኣይዅኑ ደባይ ኃይልታት ዝዋስኡሉ ንኣዕም ዝትንክፍን ተግባር ኢዩ ኔሩ ሎሚ ግን መልክዑ እናቐየረ ንመላእ ሰላማዊ ህዝቢ ዝትንክፍ እናኾነን ሕዝቢ ኣብ ዝነብረሉ ቦታን ከተማታትን ዝፍጸምን ንሰላማዊ ሕዝቢ ዝጭምት እናኾነ፣ ብዓመጽ ግብረ-ሥጋን ብዝኣመሰል እከይ ተግባራት ናይ ጸላኢኻ ክፍሊ ኅብረተሰብ መንነትን ማኅበራዊ ጥምረት ዘምክን እናኾነ ይኸይድ ከምዘሎን ሓቢሮም፣ ኅቡራት መንግሥታት ዓለም ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸረ ሰብኣዊ ተርእዮታት ንምውጋድ ዓቢ ጻርዕሪ የካይድ እውን እንተሃለወ፣ በቲ ኣብ ዓለም ብዝርኤ ምስፋሕ ነኣሽቱን ከበድትን ኣጽዋር ውግእ እናፈሸለን እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርኤ ጸገም ምዃኑ ኣረዲኦም፣ እዚ ምስፋሕ ኣጽዋር ድማ ንዝተፈላለዩ ጸረ ሰብኣዊ ተግባራት ዘተባብዕ ኢዩ።

ሃይማኖታዊ ምኽንያት ዘለዎም ዝመስሉ ዝተፈላለዩ ምስሕሓባትን ውግኣትን ኣዕሚዩቕና እንተድኣ መርሚርናዮም ካልእይ ሕቡእ ዕላማ ዘለዎ ኢያቶም ምስ በሉ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ዝተረስዑን ብዙሕ ዘይንገረሎም ዝተፈላለዩ ውግኣትን ምስሕሓባትንን ውጥረታት ኣለዉ፣ እዚ ከምዚ ዝኣመሰል ዓይነት ውግእ ድማ ንነዊሕ ዝቕጽልን ጸላኢየይ ናይ እትብሎ ሕዝቢ ሃይማኖትን ኮታ ኵሉ መንነታዊ መለለዪኡ ዘጽንት ኢዩ። ስለዚህ ካብዚ ዓይነት ማለት ብሥነ ፖሊቲካዊ ኣዘራርባ ዝነበረ ዘይነበረ ዝገብር ዓቢይ ኢሰብኣዊ ተግባር ኣደዳ ካብ ምዃን ገዛእ ርእሶም ከናግፉ ዝስደዱን ዝመዛበሉ ንምድሓንን መንነታዊ መለለዪኦም እውን ከይበርስ ናይ ስብኣዊ መሰልን ፍቓድን ክኽበረሎም ምእንጋዶምን ዑቕባ ምሃብን ናይ ኵሉ ሓላፍነት ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.