2011-01-29 15:02:56

ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ


ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቀዋሚ ቤት ምኽሪ ካብ ዕለት 24 ክሳብ ዕለት 27 ጥሪ 2011 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣንኮና ብናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበርን ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ተመሪሑ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ከምዘካይደ እንክንገር፣ ናይዚ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጉባኤ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣመልኪቶም RealAudioMP3 ብፁዕ ኣቡነ ማሪያኖ ክሮቻታ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ትማሊ ኣብ ራዲዮ ቫቲካን ሕንፃ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሃቡ ክፍለጥ እንከሎ፣ ብፁዕ ኣቡነ ክሮቻታ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ናይ ኢጣሊያ ቤተ ርክስትያን ጉዳያትን ማኅበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ኅልው ጉዳያት እውን ኣማእኪሉ ሰፊሕ ምይይጥ ከምዘካየደ ገሊጾም፣ ብፍላይ ድማ ብፁዓን ጳጳሳት ነቲ ኣብ ኢጣሊያ ሥነ ሰብኣዊ ውድቀት ዝብል መለለየ ዝሃብሉ ብሰፊሕ ዝርኤ ዘሎ ግብረ ገብን ሥነ ምግባር ካብ ዘይምኽባር ዝኽሰት ዘሎ ማኅበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ጸገም ግቡእ መፍትሒ ንኽረከበሉ ብዘይ ቅድመ ፍርድን ሰንከልከልን ሚዛኑ ዝሓለወ ፍርዲ ብምሃብ ክፍታሕ ምጽዓሩ እምበር ብስሚዒትን ጽልእን ተደሪኽካ መፍትሒ ምድላይ ነቲ ዝተኸስተ ጸገም ናብ ዝገደደ ጸገም ኢዩ ዝቕይሮ፣ እዚ ድማ ስለዚህ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይቲ ዘካይዶ ኣኼባ ፍጻሜ ሰነድ የመልክቶ ኢሎም።

ናይ መንግሥትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን መንግሥታዊ ቅዋማትን ዜጋታትን ኵሉ ብመሠረት ሕገ መንግሥቲ ዝተመልከት መሰልን ግቡእን ብምትግባር ኃላፍነቱ ከማልእን፣ ኵሉ ኣብ ናይ ሃገር ጉዳይ ከከም ሃላፍነቱን ደረጃኡን ክዋሳእን፣ መሰልን ግቡዕን ብማዕረ ከምዝኸዱ ምርዳእ ከምዘድሊ ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ተመልኪቱ ከምዘሎ ሓቢሮም፣ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቀጻሊ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ኣብ ማኅበረ-ክርስትያንን ቤተ ክርስትያንን ከመይ ጌርካ ምስ ክርስቶስ ክትራኸብ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ብፍላይ ድማ ምስ ክርስቶስ ርክብ ንምርግጋጽ ዝድግፍ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ኣኼባ ካብ ዕለት 23 ክሳብ ዕለት 27 ግንቦት 2011 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ንምክያድ መርሃ ግብሪ ብምሓዝ ከምእተፈጸመ ገሊጾም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.