2011-01-29 15:01:58

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ክርስትያናዊ እምነትኩም ኣብ ዕለታዊ ናብራኹም ክምስከር


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣቲ “ንስኻትኩም ንምድሪ ጨው ኢኹም… ንስኻትኩም ንዓለም ብርሃኑ ኢኹም” ማቴ. ምዕራፍ 5 ካብ ፍቕዲ 13 ክሳብ ፍቕዲ 14 ብዘሎ ቃል ወንጌል ተመሪሑ ካብ ዕለት 4 ክሳብ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ዝተኻየደ ናይ ኣፍሪቃ ሓፈሻዊ ካልኣይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት RealAudioMP3 ዘጽደቖ ሰነድ ጠቒሶም፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ፊርማ ዝተነበረሉ ኣብ ሰነጋል ርእሰ ከተማ ዳካር ናብ ዝተኻየደ ናይ ኣፍሪቃ ማኅበር ተግባር ካቶሊክ ዓለማውያን ምእመናን ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልኽቲ፣ ዓለማውያን ምእመናን ኣፍሪቃ ኣብ ጎዳና ፍትሕን ዕርቅን ሰላምን ከይተሓለሉ ክዓይኑን፣ ኣብ ኅብረሰተሰብ እውነተይና ናይ ክርስቶስ ልኡኻት ኮይኖም መታን ክርከቡ፣ እምነት ክርስትናኦም ኣብ ሥድራ ቤትን ማኅበራዊ ፖለቲካን ኣብ ዝተዋፈርሉ ዕዩ ብቓልን ተግባርን ክነብርዎን ኣብ ዕለታዊ ናብራኦም ንጸሎትን ንቕዱሳት ምሥጢራትን ግቡዕ ጊዜ ክህቡን ምዒዶም፣ ብጹኑዕ መንፈሳውን ሰብኣውን ጎዳና ኅንጸት ኣቢልኩም ኅያው እምነት ንምጭባጥ መታን ክትኽእሉ ነዚ ቅዱስ ተግባር ግዜ ንምሃብ ኣይትፍርሁ፣ እንክብሉ ምዕዳን ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።








All the contents on this site are copyrighted ©.