2011-01-25 14:35:01

ብፁዕ ኣቡነ ቸሊ፦ ኣወንታዊ አመለኻኽታ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጉዳይ መርበብ ሓበሬታ


ትማሊ ንመበል 45 መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ መራኸቢ ብዙኃን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ፣ ኣብ ቫቲካን ብናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርድን ብናይ መራኸቢ ብዙኃን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ማሪያ ቸሊን ዋና ጸሓፊኦም ብፁዕ ኣቡነ ፖውል ቲግ ወግዓዊ መግለጺ ከምእተወሃበሉ እንክምልከት፣ ብፁዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ማሪያ ቸሊ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና መሠረት ገይሮም ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፣ ማኅበረ ክርስትያን ብሥነ ኣኅዝ ኣዚዩ እናተራቐቐ ዝምዕብል ዘሎ መራኸቢ ብዙሃን RealAudioMP3 ንምስክርነት ክጥቀምሉ ዘተሓሳስብን፣ ብፍላይ ድማ ካቶሊካውያን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙኃን ነዚ መሣርሒ ናይ ሃይማኖት ጉዳይ ዝምልከቱ ርእሰ ጉዳያት ሓተታን ትንታኔታት ዘቕርብሉ ናይ ባህሊ መድረኽ ጥራሕ ዘይኮነስ ሕይወት ክርስትና ዝምስከርሉ ክኸውን ዘተሓሳስብ ኢዩ ኢሎም።
ናይቲ ብሥነ ኣኃዝ ኣናማዕበለን እናተራቐቐን ዝኸይድ ዘሎ መራኸቡ ብዙኃንን መርበብ ሓበሬታን ብዝምልከት ቅዱስ ኣቦና ዋላ’ኳ ናይ መርበብ ሓበሬታ ቀጥተይና ተጠቃሚ ኣይኹኑ መልእኽታቶም ብኢዶም ዝጽሕፍእዎ እውን እንተኾነ ብቐረባ ብምክትታል ብዛዕባ እቲ ብሥነ ኣኃዝ እናማዕበል ዝኸይድ ዘሎ መርበብ ሓበሬታን ብሓፈሻኡ ብዛዕባ መራኸቢ ብዙኃን ዓሚይቕ ሥነ ባህላዊ ግንዛቤ ከምዘለዎምን፣ ጥቅሚ መርበብ ሓበሬታን ዮኡቲዩብ ዝኣመሰሉ መጋበሪያ መርበብ ሓበሬታ ብዝምልከት ዓቢይ ግንዛቤ ከምዘለዎም ኣባ ሎምባርዲ ሓቢሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ቢ መበል 16 ብዝብል መለለዪ ስም መልእኽታቶምን ኣስተምህሮታቶም ብቐጥታ ዝመሓላለፍሉ ኣድራሻ ዩቲዩብ ከምእተደርሰን፣ ቅዱስነቶም ገና ከም ሓሳብ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን እወታዊ መልሲ ከምዝሃብሉ ኣብ ሎምባርዲ ሓቢሮም። ብፁዕ ኣቡነ ቸሊ ብወገኖም ናይ ቫቲካን ናይ ዜና ኅብረ መርበብ ሓበሬታ እዚ ድማ ዜናታት ቫቲካን ራዲዮን ናይ ቫቲካን መደብር ቴለቪዥን መደባት ዘጠቓልል ድረ ገጽ ክቐውም ምዃኑን ኣብ ቅነ ፋሲካ ነገልግሎት ከምዝበቕዕ ኣመልኪቶም።
ኣብ መደምደምታ ኣባ ሎምባርዲ በዚ ኣጋጣሚ ዕለት 10 ለካቲት 2011 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቫቲካን ቤተ መዘከር 80 ዓመት ናይ ራዲዮ ቫቲካን ታሪኽ ዝትንትን ምርኢት ክቐርብ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ትማሊ ናይ ላቲን ሥርዓት ናይ ኣምልኾ ግፃዌ እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ናይ መራኸቢ ቡዝኃን ሓላዊ ቅዱስ ናይ ቤተ ክርስትያን ሊቅ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዲ ሳለስ ከምዘብዓለት እውን ሓቢሮም፣ ብፁዕ ኣቡነ ቸሊ ብኣባ ፈደሪኮ ሎምባርድን ናይ ራዲዮ ቫቲካን ጉዳይ መርሃ ግብርታት ሓላፊ ኣባ ኣንድረ ኮፕሮውስኪ፣ ኣባ ጁዜፐ ኮስታ ናይ ቫቲካን ቤት ማኅተም ኣመሓዳርን ተሰንዮም ኣብ ሮማ ትራስፖንቲና ኣብ እትርከብ ቅድስቲ ማሪያም ቤተ ክርስትያን ናይ ካቶሊክ ናይ መራኸቢ ብዙኃን ሰብ ሙያን ጋዜጠይናታትን ኣብ ዝተረኸብሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ጋዜጠይናን ናይ መራኸቡ ብዙኃን ሰብ ሙያ ኣብ ቃል እግዚኣብሔር ዝጸንዕ እምብር ክመስልን ክሓድር ዝብልን ኣብ ርእሰ ብቕዓት ደረት ኣልቦ ምትእምማን ዝብል ጉግይ ኣመለኻኽታ ዝኽተል ክኸውን ከምዘይግባእ ካቶሊካውያን ጋዘጠይናታትን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙኃን ናይ ወንጌል ሥነ ኣገባብ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ክኽተሉ ከምዘተሓሳሰቡ ኣባ ሎምባርዲ ሓቢሮ።








All the contents on this site are copyrighted ©.